ህዝብን ግዝኣትን ትግራይ ብደጋዊ ሓይልታት ፅንተት ካብ ዝውረር ህዝብና ተፈናቓልን ስዱድን ኮይኑ ከምኡ እውን ኣብ ኢድ ወረርቲ ወዲቑ ኣብ ሓያሎ ስቓይ ክነብር ካብ ዝፍረዶ ዓመታት ሓሊፎም። ወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣታት ትግራይ ንክወፁ ተደጋጋሚ ፃውዒት እኳ እንተገበርና፡ ሰማዒ ስኢኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዕሊ ኣፍልጦ ዝተኸልኦ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን።
ሐዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ገለ ዓለምለኸ ትካላትን ብኤርትራ ዝተወረረ መሬት ትግራይና ከም ኣጀንዳ ተላዒሉ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወፅእ መተሓሳሰብታት ይቐርቡ ኣለው። እዚ ከም ፅቡቕ ምዕባለ ክውሰድ ይግባእ። ይኹን እንበር እዚ ዛዕባ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምዕብል ንዘሎ ውጥጥ ዝውዕል ተወሳኺ ምኽንያት እንተይኾነስ፡ ምስ ካልኦት ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ተወሰኽቲ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ከባብታትን ንክወፁ ምስ ዝፅውዕ ጠለብ ከይተነፀለ ክፍፀም ዝግብኦ ጉዳይ ከም ዝኾነ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን።
ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ሐዚ’ውን ብቅልጡፍ ካብ መሬት ትግራይ ንክወፅእ ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እዚ እንትበሃል ስቓይ ህዝብና ንከብቅዕ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንክምለስ፣ ካልእ ስቃይ ካብ ዝዕድም ኲናት ንምትራፍን ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ምኽንያታት ካብ ምጥማት እምበር፡ ቀፃሊ ንዝግበር ትግራይና መሊኡ ከጥፍእ ንዝኽእልን ኲናት ከም መልዓሊ ምኽንያት ከይኽውን ዘለና ስግኣት ክንገልፅ ንደሊ።
ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተረዲኡ መጋበሪ ኲናት ዝኾነ ሓይሊ ክኸውን ከምዘይግባእ ብምእማን፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘስካሕክሕ ገበን ዝፈፀመ መንግስቲ ኤርትራ ወሪሩ ካብ ዝሓዞም ኩሎም ግዝኣታት ትግራይ ንክወፅእን በዚ ምኽንያት ዝፍጠር ኲናት ክተርፍን ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ጎንና ኾይኑ ፅዕንተኡ ከሕድር ንፅውዕ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ለካቲት 24, 2017
ትግራይ፣ መቐለ



Leave a Reply