Category: Press Release
-
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብድሮን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንምኹናን ዝተዋህበ መግለፂ፦

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገመሃሎ (ትግራይ) ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ካልኦት ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዝሳተፉ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትን ዝፈነዎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብፅኑዕ ይኹንኖ። እዚ ዘይግቡእ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ህይወትን ኣካላትን ንብረትን ከቢድ ጕድኣት ኣስዒቡ እዩ ። ብሰንኪ እዚ ይቕረ ዘይበሃሎ ግፍዓዊ ፍፃመ እዚ ንዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዓና ዓሚቝ ሓዘን እናገለፅና…
-
“ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ።” ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ

ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ። ናይዚ መርኣያ እውን ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ሕፃፅ ወገናትና ንዝኸፍአ ጥሜትን ሞትን ይቃልዑ ኣለዉ። ህዝብና ንምድሓን ብሕታዊ መማረፂ ናብ መረበቱ ምምላስ ከም ዝኾነ እናሓበርና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝነብሩ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ዝተጀመረ ወገን ናይ ምድሓን ተበግሶ ንንእድ። ኣብ ሕፃፅ…
-
“ትዕግስቲ ልክዕ ኣለዎ!”ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

መትከላዊ እምነት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሰላም እዩ። ካብዚ ፅኑዕ መትከሎም ተበጊሶም እውን ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክትግበር ብተደጋጋሚ ክምሕፀኑ ፀኒሖም እዮም። ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን እቲ ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ክሰጋገር እምበር ንድሕሪት ክምለስ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን ሉእላውነትና ተወሪሩ ህዝብና ብዕጡቓት እናተጨፍጨፈ፣ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ እናሃለቐ፣ በዚን በትን ህዝቢ…
-
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ…

ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ንሰላማዊን ፖለቲካዊን መስርሕ ዝህውኹ ምዕባለታት፣ ንውዕል ፕሪቶርያ ዝጎድኡ ምንቅስቃሳት ንዕዘብ ኣለና። ትግራይ ንምህዋኽን ነኒባዕልና ንምድማይን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ዓፋር ዕጡቃት ክውደቡን ክዕጠቑን ጥጡሕ ባይታ ብምፍጣር ፣ ብምድጋፍን ተልእኾ ብምሃብን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተደጋጋሚ ፃሕታሪ ምንቅስቃስ ክግበር ፀኒሑን ኣሎን። እዚ ብስም “ሓራ መሬት” ኣብ ዓፋር ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተደጋጋሚ፣…
-
“ዝሓሰሞ ህዝቢ ህፁፅ መፍትሒ ይጠልብ ኣሎ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

ህዝቢ ትግራይ ብፅንዓት ተቓሊሱ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ዓጊቱ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ሰለስተ ዓመቱ ክመልእ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ሞትን ስቓይን ህዝብና ጠጠው ከብል ተስፋ ዝተገበረሉ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ብዘይምትግባሩ ኣብ ውሽጢ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ብመንነቱ ይቕተልን ይሳቐን፣ ዝተሰደደን ዝተመዛበለን ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ከቢድ ስቓይን ሞትን ኮይኑ ኣብ ድርኩኺት ሓምሻይ…
-
መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ካብ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተወሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ህዝቢ ትግራይ ኩሎም መንገድታት ሰለማዊ ቃልሲ ምስተዓፀውዎ ኣብ ልዕሊኡ ይበፅሑ ንዝነበሩ ብሄራውን ደርባውን ወፅዓታት ካብ እንግድዑ ብብረታዊ ቃልሲ ክቕንጥጦም 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብመሪሕ ውድቡ ህ.ወ.ሓ.ት እናተመርሐ ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ ብዓወት ዝተዛዘመላ ዕለት እያ፤ 20 ጉንበት። ስለዝኾነ 20 ጉንበት ኣብ ማህደር ታሪኸ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ድሙቓትን ጎሊሆም ዝረአዩን ዕለታት ሓንቲ እያ። ነዛ ሕላገት…
-
ውሱናት ኣካላት ንምርካብን ቂም ንምውርራድን ተባሂሉ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝጎድእ ምንቅስቃስ ምግባር ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ!!

ውሱናት ኣካላት ንምርካብን ቂም ንምውርራድን ተባሂሉ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝጎድእ ምንቅስቃስ ምግባር ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ!! ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ነበር ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ፋና ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተሓታትነትን ልዕልና ሕግን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ዘይኮነስ፣ ዝፈረሰ ይፍረስ ብዘስምዕ፣ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዘጉድፍን መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ ሓደጋ ብዘእቱን ኣብ ውልቀሰባት፣…
-
መግለፂ ቅዋም ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት።

መእተዊ፥ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ድሕሪ ዘካዶ መሪር ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ፣ ክቡር መስዋእትነት ከፊሉ ንፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ስዒሩ ፤ ዓዲ ካብ ምብትታን ዘድሐነ ሓዱሽ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክትከል ዝገበረ ህዝቢ እዩ። ንሕገ- መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ብዝሃቦ መሪሕነትን ፣ ዘካየዶ ኩለ መዳይ ቃልስን ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንሰለስተ 10ታት ዓመት ዓላም ዝመስከሮ…
-
“ብሄራዊ ሓድነት ንምኽባር ሉእላውነት!” ሰሙናዊ መልአኽቲ ውድብ ህወሓት

ህዝቢ ትግራይ በቢመዋእሉ ንዝገጠምዎ ወራራት ብስጡም ብሄራዊ ሓድነት እናመከተ ህልውንኡን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ዘረጋገፀ ህዝቢ እዩ። ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ክምብርከኽ፣ ህልውንኡ ኣብ ሰናይ ድሌቶም ክሙርኮስ፣ መሬቱ ክቀራመቱ ንሶም ኣብ ዝመተርሉ ክነብር ሃቂኖም ናብ መረበቱ ንዝመፁ ወረርትን ዓመፀኛታትን ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን ህዝቢ እዩ፡፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ በቢእዋኑ ዝደግስ ሓደጋ ብብቕዓት ክምክት ዝኸኣለ ድማ ብሳላ…
-
እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ፦

ከም ዝፍለጥ ከም ህዝቢ ናይ ህልውና መሪር ተጋድሎ ከነካይድ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ዘላቂ ተፃብኦ ጠጠው ብናይ ምባል ውዕል ተኸቲሙ፣ ኣብ ክሊ እቲ ውዕል ኮይንና ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ እናካየድና ምዃንና ኩሉ ዝርድኦ’ዩ ። ምእንተ ዘላቂ ሰላም ክበሃል ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ እንከይተረጋገፀ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ኮነ ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ዘሎ ህዝብና ንምግላፁ ዝድንፁ ህይወት እናሕለፈ፣ ከም…

