“ብሄራዊ ሓድነት ንምኽባር ሉእላውነት!” ሰሙናዊ መልአኽቲ ውድብ ህወሓት

ህዝቢ ትግራይ በቢመዋእሉ ንዝገጠምዎ ወራራት ብስጡም ብሄራዊ ሓድነት እናመከተ ህልውንኡን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ዘረጋገፀ ህዝቢ እዩ። ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ክምብርከኽ፣ ህልውንኡ ኣብ ሰናይ ድሌቶም ክሙርኮስ፣ መሬቱ ክቀራመቱ ንሶም ኣብ ዝመተርሉ ክነብር ሃቂኖም ናብ መረበቱ ንዝመፁ ወረርትን ዓመፀኛታትን ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን ህዝቢ እዩ፡፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ በቢእዋኑ ዝደግስ ሓደጋ ብብቕዓት ክምክት ዝኸኣለ ድማ ብሳላ እቲ ዝተወደበን ዘይፀዓድ መንፈስ ቃልሱን ብዋናነት ድማ ሳላ ሰጡም ሓድነቱ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ተወዲቡ ሳላ ዝተቓለሰ ዓርሱ ካብ ምሉእ ፅንተት ኣድሒኑ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምኽታም ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣትዩ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ስለዘይተፈፀመ ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ይሳቐ ኣሎ፣ ብጥሜትን ሕማምን ዝሃልቕ ዘሎ ኣብ መዕቖቢ ማእኸላትን ናብ ሱዳን ዝተሰደደ ህዝብናን ናብ መረበቱ ክምለስ ኣይከኣለን፣ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ይርከብ፡፡ ብሓፈሻ መልክዕ እቲ ቓልሲ ተቐይሩ እምበር ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቃልሲ ምውሓስ ህልውና ይርከብ፡፡

ህዝብና ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንተሎ እቲ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ተቖፃፂሩ ዝፀንሐ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኣብ ክንዲ ዝተውሃብዎ ተልእኾታት ምፍፃም ሓድነትን ዓቕምታትን ትግራይ ናይ ምብታን ቅሉዕ ልኡኽቶ ሒዙ እዩ ክሰርሕ ፀኒሑ። እዚ ጉጅለ ሕዚ እውን ካብቶም መሰረታዊ ኣጀንዳታትና ንምውፃእን ህዝቢ ትግራይ ናይ ምድርዳርን ምፍፃምን ዓቕሙ ንኽዳኸምን ድማ ምስ ኩሎም ኣንፃር ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ተዋዲዱ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ፡፡

ናይ ኩሎም ቀዳምነታት ቀዳማይ ዝስራዕ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ብመሰረት ሰምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝነብር ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ኣብ ስደትን ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት ተመዛበልትን ዝርከብ ህዝብና ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስን ልኣላዊ መሬት ትግራይ ክረጋገፅን ምስራሕ እዩ፡፡ እዚ ውራይ ህልውና ህዝብና ዝውስን ስለዝኾነ ንፅባሕ ዝበሃል ኣጀንዳ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት ዝኣተዎ ውዕል ሉእላዊ መሬት ትግራይ ወሪሮም ዝሓዙ ዕጡቓት ሓይልታትን ሰፈርትን ብቕልጡፍ ብምውፃእ ስቓይን ሞትን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ከብቅዕ ፣ ተመዛበልትን ንሱዳን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ኣድላዪ መትከሊ እግሪ ተዋሂብዎም ክምለሱን ግቡኡ ክዋፃእ ደጊምና ንፅውዕ።

እዚ ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ሕዚ እውን ብሓድነትን ዝተወደበ ምንቅስቓስን ጥራሕ ኢና ክንብድሆ እንኽእል። መላእ ህዝብናን ኣባላት ውድብናን ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ኣጀንዳና ምርግጋፅ ህልውና ህዝብናን ሉእላዊ መሬትናን ምዃኑ ብምርዳእ ኩሎም ዓቕምታትና ወዲብና ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ወሳናይ እጃምኩም ከም ትዋፅኡ ውድብኩም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይተኣማመን። ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ጥንኩር ብሄራዊ ሓድነቱ ጥራሕ እዩ፡፡ ሉእላውነትና ዝረጋገፅ ኣብ ጥንኩር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብሄራዊ ኣጀንዳታት ብብቕዓት ንምልስ ንቡር ሓድነት ህዝብና ብምዕቃብ እዩ፡፡

ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስውኣትና!

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading