“ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ።” ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ

ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ። ናይዚ መርኣያ እውን ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ሕፃፅ ወገናትና ንዝኸፍአ ጥሜትን ሞትን ይቃልዑ ኣለዉ።

ህዝብና ንምድሓን ብሕታዊ መማረፂ ናብ መረበቱ ምምላስ ከም ዝኾነ እናሓበርና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝነብሩ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ዝተጀመረ ወገን ናይ ምድሓን ተበግሶ ንንእድ።

ኣብ ሕፃፅ ዘሎ ፀገም ዝበኣሰ ኮይኑ እምበር ኣብ ካልኦት መዕቖቢ ተመዛበልቲ እውን ተመሳሳሊ ፀገም ከምዘሎ እናሓበርና ገጢሙና ዘሎ ፀገም ብውልቀ ሰለዘይፍታሕን ዘይግታእን መድሕን ህዝቢ ዝኸውን ውዳበ ብምፍጣር ፀገማት ተመዛበልቲ ንምፍታሕ ንረባረብ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ህዝቢ ካብ ብርሰት ንምድሓን ይሰርሕ ከም ዘሎ እናሓበርና ኣብ ሽኻል ምድሓን ህዝቢ ንዕሰል።

እዚ ከምዚ ኮይኑ ብሽም ማእኸል ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ሕፃፅ ዝግበር ምትእኽኻብ ሓገዝ ብመንግስቲ ተማእኺሉ ይስራሕ ስለዘሎ ብሽም ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዝተኸፈተ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ
➡1000737657888 ኣታዊ ክትገብሩን ወገን ኣብ ምድሓን ክታምኩም ክተንብሩን ንሕብር።


Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading