Tag: #ደብዳብ_ድሮን
-
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብድሮን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንምኹናን ዝተዋህበ መግለፂ፦

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገመሃሎ (ትግራይ) ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ካልኦት ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዝሳተፉ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትን ዝፈነዎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብፅኑዕ ይኹንኖ። እዚ ዘይግቡእ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ህይወትን ኣካላትን ንብረትን ከቢድ ጕድኣት ኣስዒቡ እዩ ። ብሰንኪ እዚ ይቕረ ዘይበሃሎ ግፍዓዊ ፍፃመ እዚ ንዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዓና ዓሚቝ ሓዘን እናገለፅና…
-
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጨፍጫፍ ድሮን ኣካይዱ ።

ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ካብ 9:30 ክስብ 10:00 ሰዓት ብዝተፈፀመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ፅዕነት ኣይሱዚ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ። እቲ ቁምብላ ድሮን ኣብ ጋቢና እተን መካይን ከም ዝዓለበን በቲ ደብዳብ ድማ ሓደ መራሒ መኪና ህይወቱ ክስእን እንከሎ፡ ካልእ ተሓጋጋዚ ድማ ቈሲሉ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ዋና ኢንስፔክተር ተስፋይ ኣማረ…

