ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ካብ 9:30 ክስብ 10:00 ሰዓት ብዝተፈፀመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ፅዕነት ኣይሱዚ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ።
እቲ ቁምብላ ድሮን ኣብ ጋቢና እተን መካይን ከም ዝዓለበን በቲ ደብዳብ ድማ ሓደ መራሒ መኪና ህይወቱ ክስእን እንከሎ፡ ካልእ ተሓጋጋዚ ድማ ቈሲሉ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ዋና ኢንስፔክተር ተስፋይ ኣማረ ገሊፆም ።
እተን መካይን በነና፣ ዘይትን ቡንን ዝፀዓና ምንባረን ምምሕዳር ከተማ እንትጮ ኣፍሊጡ ።
እተን መካይን ኣይሱዙን ኤፍ ኤስ ኣር ዝዓይነተን ኰይነን፡ እታ ሓንቲ ባናና ፅዒና እታ ካልአይቲ ድማ ዘይቲ፡ በርበረ፡ ሳሙናን ካልኦትን ኣቑሑት ንግዲ ፅዒና ምንባራን ሰለስተ ግዜ ደብዳብ ከም ዝተኻየደን ተገሊፁ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮምን ገንደበታን ደብዳብ ድሮን ከም ዝተፈፀመ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመላኺቱ ።
በቲ ኣብ ኣሕፈሮምን ገንደበታን ዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮን ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ብንፁር ኣይተፈለጠን።
ኣብቲ ኣብ ገንደብታ ወጋሕታ 11:30 (ኣ.ግ) ዝተፈፀመ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ በርበረን ካልኦት ንግዳዊ ሃለኽቲ ኣቑሑትን ፅዒና ዝነበረት መኪና ከም ዝዓለበ ተፈሊጡ ኣሎ።
በቲ ዘጋጠመ ደብዳብ ህዝቢ ከተማ እንትጮ ተረቢሹ ከምዝነበረን ምምሕዳር ከተማ እንትጮ ድማ ነዚ ኣብ ምርግጋዕ ክሰርሕ ከምዝሓደረን ከንቲባ ከተማ እንትጮ ሃይለ ኣስፋው ንደደቢት ሚድያ ሓቢሮም።
ተወሳኺ መብራህርሂ እውን ከም ዝስዕብ ሂቦም ኣለው።
ብኻልእ ዜና ኣብ ወረዳ ቆላ ተንቤን ጣብያ ዘለቐመ ደብዳብ ድሮን ተፈፂሙ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱ ኣሎ።
እቲ ኣብ ቆላ ተንቤን ዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮን ኣብ ከባቢ 1ይ ብርኪ ዘለቐመ ከምዝዓለበን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ነበርትን መኽዚን መሰልጠኒ ሓረስቶትን ከምዝተፈፀመ ዝረኸበናዮ ጥሉል ሓበሬታ ኣመላኺቱ ።
በዚ እዉን እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ሰላማውያን ወገናት ናብ ጥዕና ጣብያ ጉያን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓብይ ዓድን ከምዝተወሰዱ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ድሮን ዝሃቦ ሓበሬታ ዛጊድ የሎን።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝጀመረ ወጥሪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይሊታት ትግራይን ናብ ግጭት ከም ዝተሰጋገረ ክግለፅ ቀንዩ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ወረዳ ጸለምቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተላዕለ ክግለፅ ቀንዩ እዩ።
ብ18 ጥሪ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (28 ጥሪ) ኣብ ከባቢ ማይዳጉሻ ብኸበድቲ ኣፅዋር ዝተሰነየ ውግእ ከም ዝተወልዐ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
“ብሰኑይ ድሕሪ ሰዓት፡ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት – ምጫራ፡ ማይፀብሪ እምባማድረን ደገብራይን ተዅሲ ከምዝነበረ ዝተሓበረ ኮይኑ ኣብ ደገብራይ ደብዳብ ድሮን ከም ዝተፈፀመ ከምዝተፈፀመ እዉን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
“ብሰሉስ’ውን ብመካናይዝድ ዝተሓገዘ ደብዳብ ምንባሩ ነበርቲ ገሊፆም።
መጀመርታ ዝኣተወ እግረኛ ሰራዊት ትግራይ ምዃኑን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ ብኸቢድ ብረትን ድሮንን ደብዳብ ከም ዘካየደን ይሕብሩ ።
“ረቡዕ ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሰለስተኡ ኣንፈት ተዅሲ ነይሩ – ኣብ ዲማ፡ ቀልበዲን፡ ከባቢ ምጫራ፡ ቀልቀል ተከዘ ብሓሙስ’ ድማ ኣጋግዜ ዝጀመረ ክሻብ ዓርቢ ካብ ደገብራይ ጀሚሩ ክሳብ ጥቓ ጣብያ ፍየልውሃ ውግእ ከምዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።
እቲ ቀዳመ-ሰንበት ዝጀመረ ተራ ተዅሲ፡ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ናብ ስሩዕ ውግእ ከም ዝተሰጋገረ ዝተሓበረ ኮይኑ ክሳዕ ሽዑ ኣብ ታሕታይ ፀለምቲ ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘይርኣየን እቲ ጕድኣት ኣብ ሰራዊት ጥራሕ ምንባሩን መሰኻኽር ዓይኑ ገሊፆም ።
“ኣብ ላዕላይ ፀለምቲ ብፍላይ ኣብ ደገብራይን ከባቢኡን ግን ክሻብ ሕዚ ደብዳብ ይካየድ ኣሎ፡” ክብሉ ገሊፆም ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ’ውን “ወጥሪ” ከም ዝነበረ ፀብፃባት ይሕብሩ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ካብ ዝነበረ መዓስከራቱ ከም ዘንሰሓበ’ውን ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኮነ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ’ዚ ዳግማይ ናብ ምሉእ ኲናት ከይዓርግ ስግኣት ፈጢሩ ዝርከብ ግጭት መግለፂ ኣይሃቡን።
ኣብ ትግራይ፡ ተገልገልቲ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 2,000 ብር ከየውፅኡ ተደሪቶም፣ ከምኡ’ውን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝገብሮ በረራታት ንሳልሳይ መዓልቱ ደው ኣቢሉዎ ኣሎ።



Leave a Reply