Tag: #ትግራይ_ወቕታዊ
-
ህወሓት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተ ንምፍታሕ ሐዚ እዉን ፃዕሪ እናገበረት ከምዘላ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ፣ ብሰላማዊ መንገዲ መሰሉ ይሓትት እኳ እንተሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንኻልእ ዙር ኲናትን ክባን ተዳልዩ ከምዘሎ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፁ። ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ደ/ር ደብረፅዮን ኣብ ኣከባብራ በዓል 11 ለካቲትን እዋናዊ ጉዳይን ኣድሂቡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግሊፂ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ዝነበረ ተነፃፃሪ…
-
ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ እዋን ፅንታዊ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ጎንፂ ካብ ምጅማር ፅንታታዊ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሎምዓንቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብቦ መብርሂ ገሊፁ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝገለፆ መበገሲ ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዝፈፀሞም ግፍዕታት እምበር ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጀመረቶ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ኣጀንዳ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ። እቲ…
-
ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ናይ ሎምዓንቲ ናይ ፓርላማ ውዕሎኡ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ እንታይ ኢሉ ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ባዕሉ ይኹን እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውሳነ ከመሓላልፉ ከምዘይኽእሉ ገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒርተር ኣብዪ ነዚ ዝገለፀ ሎምዓንቲ ኣብ ዝተኻየደ 5ይ ዘመን 10ይ መደበኛ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትኾን ” ኣብ ጉዳይ ህልውና ህዝቢ ወልቃይት ክውስን ዝኽእል ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ እዩ” ክብል ዝገለፀ እቲ…
-
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት 7ይ ዙር ጠቕላላ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ፀጥታ ንምግምጋም ዝዓለመ መድረኽ ኣካይዱ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት መበል 7ይ ዙር ጠቕላላ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ፀጥታ ንምግምጋም ዝዓለመ መድረኽ ኣካይዱ። እዚ መድረኽ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ክልላትን ውድባት ፖለቲካን ከምዝተረኸቡ ዝተሓበረ እንትኾን ኣከቢት ቦርድ እቲ ቦርድ መረፃ ዝኾነት ሜላተወርቅ ሃይሉ እቲ ቦርድ ቅድም ክብል ብዘውፅኦ መርሃ ግብሪ መሰረት ስራሕቱ እናካየደ ከምዝርከብ ገሊፃ እያ። በዚ መሰረት ድማ ካብ ጥሪ…
-
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጨፍጫፍ ድሮን ኣካይዱ ።

ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ካብ 9:30 ክስብ 10:00 ሰዓት ብዝተፈፀመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ፅዕነት ኣይሱዚ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ። እቲ ቁምብላ ድሮን ኣብ ጋቢና እተን መካይን ከም ዝዓለበን በቲ ደብዳብ ድማ ሓደ መራሒ መኪና ህይወቱ ክስእን እንከሎ፡ ካልእ ተሓጋጋዚ ድማ ቈሲሉ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ዋና ኢንስፔክተር ተስፋይ ኣማረ…
-
ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እንትኾን እቶም ፕረዚዳንት እዚ ብሄራዊ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህልውናና ኣብ ሰናይ ድሌትን…
-
“ንትግራይ ብጥሜት ናይ ምቕፃዕን ምድቃቕን ፖሊሲ ‘ኣራት ኪሎ’ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ዘረጋግፅ እዩ”ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ርብርብ ከምዝንእድ ዝገለፀ እንትኾን ናብ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ዝጥምት ውሕስናን ክብርን ህዝቢ ብዘረጋግፅ መንገዲን ፤ ተፈናቐልቲ ናብ ቤቶም ዝምለስሉን ግዝኣት ትግራይ ኣብ ዝኽበረሉ ዕማም ኩሉ ሰሚሩ ፅዕንትኡ ከበርኽ ግድንን ግቡእን እዩ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ሳወት ኣብ…
-
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ብቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዝተውሃበ መግለፂ

መሰል ምንባር መንጢልካ ዝፀንዕ ስልጣን ክሳብ መዓዝ? – ቃንዛ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብስንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መሰካሕከሒ ደማዊ ኩናት ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ብዘይተፈተንዎ ዓይነት መከራ ዳርጋ የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን ። እቲ ኩናት ጠጠው ንክብል ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ ተባሂሉ እፎይታ ዝተገብረሉ ግዜ ዋላ እኳ እንተነበረ ንተመዛበልቲ ምዕራብ…
-
“ኩናት ንምትራፍ ዝከኣለና ኹሉ ክንገብር ኢና ንሰላም ኢልና እንሸጦ ግዝኣት ግን የለን።” ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ እዚ ዝበሉ ‘ንምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ!’ ብዝብል ቴማ ኣብ ኣነፈተትን መደባትን ከምኡ ድማ ኣብ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ወረዳን ካብ ታሕሳስ 02/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ንሰለስተ መኣልቲ ክሳለጥ ኣብ ዝቐነየ መደብ እዩ። ትግራይ ብዝተፈላለዩ መዳያት ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ፀቕጢ ዝበዝሖን ኩነታት ኣላ…
-
“ፈፀምቲ ገበን ፅንተት ትግራይ ኩሉሻብ ብስሞም ክፅርሑን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሳብ ዝነግስ ዘየቋርፅ ቃልሲ ይጠልብ” ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ…….. ብጥምረት ሓይልታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተት ንደቒቕ እውን ክርሳዕን ክነኣኣስን የብሉን። ፈፀምቲ ገበን ፅንተት ትግራይ ኩሉሻብ ብስሞም ክፅርሑን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሳብ ዝነግስ ዘየቋርፅ ቃልሲ ይጠልብ። ብምዃኑ እውን ባርባራዊ ጨፍጫፍ መግለፂኦምን ምስሎምን ዝኾኑ ስርዓታት ህግዴፍን ብልፅግናን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ፅንተታዊ ጨፍጫፍ ኣይንርስዖን፤ ናብ ቆስልና ግራጭ ዝሰዱን ነዞም ገበነኛታት ኣብ…

