ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ እዚ ዝበሉ ‘ንምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ!’ ብዝብል ቴማ ኣብ ኣነፈተትን መደባትን ከምኡ ድማ ኣብ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ወረዳን ካብ ታሕሳስ 02/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ንሰለስተ መኣልቲ ክሳለጥ ኣብ ዝቐነየ መደብ እዩ።
ትግራይ ብዝተፈላለዩ መዳያት ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ፀቕጢ ዝበዝሖን ኩነታት ኣላ ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፣ ዘለና ኣመራፂ ድማ ነዚኦም በዲህኻ ምውፃእ እዩ ኢሎም። ብዝተፈላለየ መንገዲ ዕፅዋ ክውስኽን ክተሓላለኽን ዝገብር ምንቅስቓስ ብዙሕ እዩ፣ብምዃኑ ድማ መጠን እቲ ሓደጋ ልዑል እዩ ኢሎም።
ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ሓደጋ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣብ መንግስታዊ ግልጋሎት ዘሎ ፀቕጢ ምውሳኹ፣ ኣብ ፍትሕን ዳይነትን ዘሎ ዝተሓላለኸ ፀገም፣ ዘለና ድኹም ኢኮኖሚ፣ ስርዓታዊ ዝመስል ናይ ግዕዝይና ፀገም፣ ቐፃሊ ዕፅዋ ተጠናኺሩ ክኸድ ኣብ ውሽጥና ኾይኖም ዝሰርሑ ኣካላት ተሓዊሰምዎ እቲ መጠን ተቓላዕነትና ክተዓፃፀፍ ገይርዎ እዩ ኢሎም ጀነራል ታደሰ ወረደ።
ብተወሳኺ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝበልዎ ድማ ፀጊምኒ ኢልኻ ጠሪዕኻ ዝሰምዐካ ኣብ ዘየለሉ ዓለማዊ ኹነታት ኢና ዘለና፣ ዓድታት ናይ ባዕለን ድሌት ዘቐድማሉ፣ አንተሞትኻ እውን ዝሰምዐካ ኣብ ዘየለሉን ንሰብኣዊነት ዝወሃቦ ትኹረት ኣብ ዝቐነሰሉን ዓለም ለኻዊ ኹነታት ኣለና ኢሎም። ነዚ መፍትሒኡ ድማ ኣብ ውሽጥና ብእንፈጥሮ ዓቕሚ እዩ ኢሎም ፕረዚደንት ታደሰ።
ሓደጋታት ተሸኪምኻ ኣብ ዘይቕፀለሉ ኩነታት ኣለና ነዚኦም ድማ ሓደ ብምዃንን ስኽን ብምባልን ከምኡ ድማ ናይ ቀዓልኻ ዓቕሚ ብጥራይን እዮም ዝፍትሑ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ሓደ እንተኾንናን ዓቕሚ ኤንተጥሪናን ተሰማዕነትናን ናይ ምድርዳር ዓቕምናን ክብ ዘብል እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደ ናይ ኽረምቲ ምፅባቕን ናይ ቀውዒ እቶተት ምውሳኽን እናመዓደኻ ናይ ኢኮኖሚ ጥንካረ ዝልካዕ ኣይኮነን ዝበሉ ኾይኖም፣ ጠንካራ ዓቕሚ ዝህሉ ጠንካራ ኢኮኖሚ እንትህነፅን ካብ ዝናብ ፅግዕተኛ ዘይኮነ ኢኮኖሚ እንትህነፅን እዩ ኢሎም።
ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ክልላትን ምስ ፊደራል መንግስትን ብዝግባእ ክንሰርሐሉ ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ዝህልወናን እንፈጥሮን ዝምድና ግን ኣብ እንካ ሃባ፣ ኣብ በዓልኻ ንበዓልኻ ምትእስሳርን ምምግጋብን ክኾን ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ዝቐረበ ሰነድ ኣንፈተትን መደባትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዘትይሉ ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን መልሲ ተዋሂብዎም ቐፀልቲ ኣንፈታትን ኣፈፃፅምኦምን ተነፂሮምሉ ብምሉእ ድምፂ ብምፅዳቕ እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ክካየድ ዝቐነየ መድረኽ ሎሚ ታሕሳስ 04/2018 ዓ/ም ከምዝተዛዘመ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።



Leave a Reply