ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ባዕሉ ይኹን እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውሳነ ከመሓላልፉ ከምዘይኽእሉ ገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒርተር ኣብዪ ነዚ ዝገለፀ ሎምዓንቲ ኣብ ዝተኻየደ 5ይ ዘመን 10ይ መደበኛ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትኾን ” ኣብ ጉዳይ ህልውና ህዝቢ ወልቃይት ክውስን ዝኽእል ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ እዩ” ክብል ዝገለፀ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ሐዚ እውን ቅዋም ፌደራል መንግስቲ ብሕጋዊ ኣገባብ ብሪፈረንደም ይወሰን ዝብል ከምዝኾነ ጠቒሱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ ከምዝገለፆ “ነበርቲ ካባቢ ወልቃይት ካብ ትግራይ ይፈናቐሉ ፣ ካብ ወልቅጤ ይፈናቐሉ ወይ’ውን ካብ ኣሶሳ ብዘየገድስ ኣብ ወልቃይት ምንባር 100 ፐርሰንት መሰሎም እዩ” ብምባል ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ተራ ሰሪሕኻ ናይ ምንባር ሕቶ ከምዝኾነ ኣምሲሉ ንምቕራብ ዝፈተነ እንትኾን “ፌደራል መንግስቲ ሓደ ሰብ ኣብዚ ኮይኑ ካብ ዝውስን ብሪፈረንንደም ብሕጋዊ ኣገባብ ክውሰን” ከምዝመርፅ ገሊፁ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀፂሉ እንትዛረብ እውን “እቲ ህዝቢ ባዕሉ ናብ ገዝኡ ኣትዩ ፤ ኣነ ክመሓደር ዘለኒ ኣብዚ ወይ ድማ ኣብቲ እዩ ክሳብ ዘይበለ ፣ ኣየናይ በዓል ሰልጣን እዩ ንስኻ ዝግአካ ኣብዚ እዩ ኢሉ ክውስን ዝኽእል” ብምባል ብመልክዕ ሕቶ ዝተዛረበ ኮይኑ ይኹን ድኣ እምበር ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝብሎ ዘሎ ብቀሊሉ ከይዱ ክነብርስ ይትረፍ ኣብቲ ከባቢ ዝተረፈ ህዝቢ እኳስ ኢዱን እግሩን እናተኣሰረ ናብ ተከዘ ይድርበ ምንባሩን ኣብ ከባብታት ሱዳን ግዳይ እዚ ግፍዓዊ ተግባር ዝኾኑ ዜጋታት ኣስከሬኖም ይርከብ ምንባሩ ከምእን ሲኤንኤን ዝበሉ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ሚድያታት ዘጋለፅዎ ጉዳይ እዩ።
ናብ ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንትምለስ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ወልቃይት ከም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዝግበኦ በጀት ክረክብ እናተገብኦ ፤ፌደራል መንግስቲ ክሕግዝ ዝግበኦ ጉዳይ ከይሓገዘ ክፀንሕ ዝገበሮ እዚ ጉዳይ እዩ” ክብል እውን ዝገለፀ ኮይኑ ሐዚ እውን ነበርቲ ከባቢ ወልቃይት “ሐዚ ድሕሪ ሰዓት እኳ እንተዝመፁ (ንተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ማለቱ እዩ) ምተቐበልናዮም እዮም ዝብሉ” ዝበለ እንትኾን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ድጋፍ ከምዝገብር ገሊፁ እዩ።
ይኹን ድኣ እምበር ሐዚ እውን ምዕራብ ትግራይ ብኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ብልፅግና ፓርቲ ዝኾነ ኣሸቴ ደምለው እናተመሓደረ ዘሎ እንትኾን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ምዕራብ ኦሮምያ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራን ከምኡ’ውን ዝተወረረ መሬትን ሃፍትን ተጋሩ ክትወስዱ ኢኹም ተባሂሎም ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣምሓራ ዝተኣኻኸቡ ሰፈርቲ “የተከዜ ዘብ” ብዝብል ብምድርጃው ብዕጥቅን ብፋይናንስን እናሓገዘ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቱ ከይምለስ ብምግባር ብስደትን ጥምየትን ክበርሱን ግዝኣት ትግራይ ቆራሪስካ ፓለቲካውን ቁጠባውን ዓቕሚ ትግራይ ናይ ምስባር ዕላምኡ የፈፅም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ዝግለፅ ጉዳይ እዩ።



Leave a Reply