Tag: #ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ
-
ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እንትኾን እቶም ፕረዚዳንት እዚ ብሄራዊ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህልውናና ኣብ ሰናይ ድሌትን…
-
ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ዝምለከቶ ኣካል ከምዝተመርሐ ተሓቢሩ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘትዩ ንዝምለከቶ ኣካል ከም ዝመርሐ ተገሊፁ። እዚ ሎሚ 05 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ቐሪቡ ምይይጥ ዝተገበረሉ ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን: ካብ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ እናተሰርሐሉ ዝመፀን ብፍላይ ካብ ሰነ 2017 ዓ/ም ድማ ነዚ ክሰርሕ…
-
ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ተፈፃሚ ምግባርን ካብቶም ቁልፊ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኖም ፕረዚዳንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ኣፍሊጦም።

ህላወን ድሕንነትን ትግራይን ህዝባን ንምውሓስ ውድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባብናን ብብሰለት ብምርዳእን ጌጋታት ከይንፍፅም ተጠንቕቕናን ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝፍፀሙ መደባትን ኣንፈታትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቶም ንኣመራርሓ ወረዳታት ፣ ከተማታትን ዞባታትን ትማሊ 8 ሰነ 2017 ዓ/ም ናይ ስራሕ መምርሕን ናይ መደብ ኦረንቴሽንን…
-
ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ምስ ዋ/ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ምኽክር ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ምስ ዋ/ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ምኽክር ከምዘካየዱ ቤት ጽሕፈት ፕረዚዳንት ሓቢሩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ዋና ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ቾይ ጆንግዩን ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ኮሪያ ብዛዕባ ዝሕገዛ ፕሮጄክትታት ኣመልኪቶም ሎሚ 22 ጉንቦት 2017 ዓም ኣብ ፅሕፈት ቤቶም…
-
“ብዕጥቂ ኩነታት ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ከምዘየለ ተገንዚቡ ኩሉ ትግራዋይ ንሰላማውን ፖሎቲካውን ቃልሲ ክዳሎ ይግባእ” ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ።

“ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝኸፈልዎ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍሉይ እዚ ዓወት ኣብ ምምፃእ ዝኸፈሎ ታሪኽ ዘይርስዖ ዘይተመጠጣን መስዋእቲ ዘለኒ ክብሪ ብዓሚቕ ስምዒት እናዘከርኩ እየ” ፕረዚዳንት ታደስ ወረደ ዝኽሪ መበል 34 ዓመት ዓወት ጉንበት 20 ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባ ተዛሪቦም። ደርጊ ንምድምሳስ ይኹን ንሰላምን ድሕንነት ሃገርን ህንፀት ስርዓትን ሓለፋ ከይሓተትና…
-
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ብዛዕባ ድሕንነታዊ ስግኣት ኣካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ብዛዕባ ድሕንነታዊ ስግኣት ኣካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣመልኪቶም ዝርዝር ምኽክር ኣካይዶም። ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ 18 ግንቦት 2017 ዓ/ም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣብ ስርዓት ዳይነት፣ ዳያኑን ኣኽበርቲ ሕግን ብዛዕባ ዘንፀላለወ ናይ ድሕንነት ስግኣት ኣመልኪቶም ዝርዝር ምኽክር ኣካይዶም። ኣብቲ…
-
ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ምስ ኣማራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘትዮም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማሕለኻታትን ፀገማትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣማራርሓን ተወከልትን እቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ሎሚ 5 ማዝያ 2017 ዓ/ም ዘትዮም። እቶም ኣመራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘለውዎም ቁልፊ ፀገማትን ማሕንቆታትን ጠሚሮም ዘቕረቡ ኮይኖም፣ ብቐንዱ ድማ እቶም ፀገማት ምስ መስርሕን መሸጥን ፣ ምስ ግልጋሎት ልቃሕ ባንክታት፣ ፌዴራል መንግስቲ ዘውፅኦም መምርሕታትን ኣብቲ ንግዲ ማሕበረሰብ ብዛዕባ…
-
ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር እቲ ወድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም። ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ምጅማር ስራሕ ዘረባ ዘስምዐ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት…

