Tag: #ጉንበት 20
-
“ብዕጥቂ ኩነታት ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ከምዘየለ ተገንዚቡ ኩሉ ትግራዋይ ንሰላማውን ፖሎቲካውን ቃልሲ ክዳሎ ይግባእ” ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ።

“ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝኸፈልዎ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍሉይ እዚ ዓወት ኣብ ምምፃእ ዝኸፈሎ ታሪኽ ዘይርስዖ ዘይተመጠጣን መስዋእቲ ዘለኒ ክብሪ ብዓሚቕ ስምዒት እናዘከርኩ እየ” ፕረዚዳንት ታደስ ወረደ ዝኽሪ መበል 34 ዓመት ዓወት ጉንበት 20 ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባ ተዛሪቦም። ደርጊ ንምድምሳስ ይኹን ንሰላምን ድሕንነት ሃገርን ህንፀት ስርዓትን ሓለፋ ከይሓተትና…
-
መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ካብ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተወሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ህዝቢ ትግራይ ኩሎም መንገድታት ሰለማዊ ቃልሲ ምስተዓፀውዎ ኣብ ልዕሊኡ ይበፅሑ ንዝነበሩ ብሄራውን ደርባውን ወፅዓታት ካብ እንግድዑ ብብረታዊ ቃልሲ ክቕንጥጦም 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብመሪሕ ውድቡ ህ.ወ.ሓ.ት እናተመርሐ ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ ብዓወት ዝተዛዘመላ ዕለት እያ፤ 20 ጉንበት። ስለዝኾነ 20 ጉንበት ኣብ ማህደር ታሪኸ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ድሙቓትን ጎሊሆም ዝረአዩን ዕለታት ሓንቲ እያ። ነዛ ሕላገት…
-
ህወሓት መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ዓወት 20 ጉንበት “ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት” ብዝብል መሪሕ ሓስብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተዓጂቡ ከምዝኽበር ሓቢሩ።

ውድብ ህወሓት መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት “ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ብዝተፈላለለዩ ምድላዋት ከም ዝኽበር ኣፍሊጡ። ህወሓት ትማሊ ምሸት ኣብ ዕላዊ ፌስ ቡክ ገፁ ከምዝሓበሮ መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ኣካል ንሓደ ዓመት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክበዓል መደብ ዝተተሓዘሉ መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ልደት ውድብ ህወሓትን ምጅማር…

