ህወሓት መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ዓወት 20 ጉንበት “ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት” ብዝብል መሪሕ ሓስብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተዓጂቡ ከምዝኽበር ሓቢሩ።

ውድብ ህወሓት መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት “ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ብዝተፈላለለዩ ምድላዋት ከም ዝኽበር ኣፍሊጡ።

ህወሓት ትማሊ ምሸት ኣብ ዕላዊ ፌስ ቡክ ገፁ ከምዝሓበሮ መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ኣካል ንሓደ ዓመት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክበዓል መደብ ዝተተሓዘሉ መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ልደት ውድብ ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት ኮይኑ ብድምቀት ክበዓል መደብ ከም ዝተትሓዘሉ ገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ ህወሓት ከምዝሓበሮ በዓል ዓወት 20 ጉንቦት እዚ ዓመት ሕሉፍ ታሪኽ ጅግንነትን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ብምዕቃብ ሕዚ “ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ንምሰጋርን ሃለዋት ህዝብናን ሉእላውነትነን ንምውሓስ እንገብሮ ዝተወደበ ቃልሲ ንምጥንኻር ቃልና ነሕድሰሉ” ተገይሩ ከምዝብዓል ኣመላኺቱ።

ብመሰረት እዚ እቲ በዓል ኣብ ዞባታት ካብ 16 ጉንበት ጀሚሩ ንሕሉፍ ቃልሲን ተዓዋታይነትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ብዝገበረ ፓነል ምይይጥን ሕዚ ከም ህዝቢ ዝገጠሙና ፈተናታት ንምብዳህ ካብ ዓወት 20 ጉንበት ዝውሰድ ትምህርትን መሰረት ብዝገበሩ ምይይጥን ህዝባዊ መድረኻትን ከምዝኽበር ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መቐለ ብብርኪ ትግራይ ንፓነል ምይይጥን ምንባር ሑቕፊ ዕምበባን ሓዊሱ እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር ካብ ኦላዊ ፌስ ቡክ ገፅ ወድብ ህወሓት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመክት።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading