“ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝኸፈልዎ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍሉይ እዚ ዓወት ኣብ ምምፃእ ዝኸፈሎ ታሪኽ ዘይርስዖ ዘይተመጠጣን መስዋእቲ ዘለኒ ክብሪ ብዓሚቕ ስምዒት እናዘከርኩ እየ” ፕረዚዳንት ታደስ ወረደ ዝኽሪ መበል 34 ዓመት ዓወት ጉንበት 20 ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባ ተዛሪቦም።
ደርጊ ንምድምሳስ ይኹን ንሰላምን ድሕንነት ሃገርን ህንፀት ስርዓትን ሓለፋ ከይሓተትና ሕልፊ መስዋእቲ ዝኸፈልና እንተኾንና እውን ድሕሪ 27 ዓመታት ዝግመትን ዘይግመት ኩነታት ተፈጢሩ ተገሊልና ብኹሉ ገፅ ጥቕዓት በፂሑና: ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ትግራይ ምንባር ዘይንኽእለሉ ህልውናና ኣብ ሓደጋ ዝኣተወሉ ፀልማት ግዜ ተፈጢሩ ኣብ ታሪኽና ገጢሙና ዘይፈልጥ ኩለ-መዳይ ኪሳራ በፂሑና እዩ ክብሉ ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ተዛሪቦም።
ፕረዚደንት ታደሰ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ በቲ ጥቕዓት ዝበፅሐና ጉድኣትን ዝኸፈልናዮ ዋጋን ዝበፅሐና ሰምብራትን ክንሰከም እንግደድ ዋላ እንተኾንና እውን ሳላ ከምህዝቢ ሓደ ኮይንና ዝመከትና ዝኸፍአ ናይ ህልውና ጥፍኣት ሓሊፍና ናብዚ ተነፃፃሪ ናይ ሰላም ግዜ በፂሕና ኢና ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ውሽጥና ብዝተፈጠረ ፓለቲካዊ ቅልወላው ስዒቡ ናብ ዝኸፈኣ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ፓለቲካዊ ፣ፀጥታዊ ቅልውላው ኣቲና ኣብ ከቢድ፥ ሓድነትናን ህልውናን ዝፍትን ኩነታት ኣለና ኢሎም ፕረዝደንት ታደሰ ወረደ ።
ነቲ ዘጋጠመና ቅልውላው ዝጥቀምን ዘባኣእስን ደጋዊ ሓይሊ ዋላ ይሃሉ እቲ ዋና ግን ናይ ውሽጥና ሽግር እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚዳንት ናይ ውሽጥና ሽግር ድማ ፖለቲካዊ ስለዝኾነ ካብ ፈለምኡ ይኹን ሐዚ መፍትሒኡ ፖለቲካውን ሰላማዊን እምበር ነንባዕልና ተዋጊእና እንፈትሖ ኣይኮነን ኢሎም።
ብዕጥቂ ኩነታት ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ከምዘየለ ተገንዚቡ ኩሉ ትግራዋይ ንሰላማውን ፖሎቲካውን ቃልሲ ክዳሎ ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም።
እቶም ፕረዚዳንት ወሲኾም ሰምምዕነት ፕሪቶርያ መሊኡ ከምዘይተፈፀመን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ሐዚ እውን ኣብ ዘለውዎ ከኸርሙ ኣብዘይኽእልሉ ኩነታት ኣብ ኬንዳ ከምዘለውን ልኣላዊ ግዝኣታት ብወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ከምኡ እውን ሓረስታይ ኣብ ናይ ክራማት ማእቶት ሕርሻ ምድላው ኣብ ዝገብረሉ ኩነታት ኣሎ : ድኽነት ዕምቆቱ ይኹን ስፍሓቱ ገዚፉ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝግበር ፃዕሪ ድማ ከቢድን ዝተወሳሰበን ኮይኑ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም።
መንእሰይ ሰራሕ ኣልቦ ኮይኑ ኣብ ጭንቅን ሰንፈላልን ተሰፋ ምቑራፅን ኮይኑ ቀሊል ዘይኮነ ቁፅሪ ካብ ዓዱ ይለቅቕ ከምዘሎን ሓድነት ዝጎድኡ ብዝሓት ተርእዮታት ከምዘለውን ኣመላኺቶም።
ፕረዝደንት ታደሰ ወረደ ተጋሩ ናይ ሰላም፣ተስፋ፥ ሓድነት ከምኡ እውን ማእኸል ዝኾነ ናይ ኩላትና ዝኾነ መንግስቲ የድልየና ፣ ተጋሩ ካብዚ ዘለናዮ ዕንኪሊል በጢስና ብምውፃእ ክብሪ ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስ የድለየና ዝበሉ እንትኾኑ እዚ ንምግባር ድማ ኣብ ረብሓ ትግራይ እንተዓሲልና ዘይንፈትሖ ነገር የለን ክብሉ ገሊፆም።



Leave a Reply