ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ዝምለከቶ ኣካል ከምዝተመርሐ ተሓቢሩ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘትዩ ንዝምለከቶ ኣካል ከም ዝመርሐ ተገሊፁ።

እዚ ሎሚ 05 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ቐሪቡ ምይይጥ ዝተገበረሉ ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን: ካብ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ እናተሰርሐሉ ዝመፀን ብፍላይ ካብ ሰነ 2017 ዓ/ም ድማ ነዚ ክሰርሕ ዝተጣየሸ ኮሚቴ መፅናዕቱ ዛዚሙ ዘምፅኦ እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት: እቲ መፅናዕቲ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ፀጥታ ምይይጥ ዝተገበረሉን ንዝተውሃበ መመሓየሺ ርኢቶታት ኣካቲቱ ዝተዳለወ ረቂቕ ደምቢ ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ

ብመሰረት እቲ ብፕረዚደንት ዝቐረበ ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብዕምቆት ዝዘተየ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: እቲ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ተፈፃሚ ንክኸውን ዘኽእሎ መምርሒ ኣፈፃፅማ ክወፀሉ ንዝምልከቶ ኣካል ብምምራሕ ብምሉእ ድምፂ ከምዝተወሰነ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading