ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ፕረዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እንትኾን እቶም ፕረዚዳንት እዚ ብሄራዊ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህልውናና ኣብ ሰናይ ድሌትን ድጋፍን ግዳም ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣይግባእን ብዝብል ከምዝተዳለወ ዝገለፁ ኮይኖም ፤ ነዚ ካብ ጭቡጥ ፀገም ተበጊስና እነካይዶ ዘለና ዝበሉዎ ብሄራዊ ወፍሪ ምትእኽኻብ እቶት ድማ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም።
እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ ካብቶም ዝካየዱ ዘለው ዘመተታት ድማ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሃፍቲ ዘተኣኻኽብ ዘሎ ንኲናት ከውዕሎ ደልዩ እዩ ዝብል ሓደ ከምዝኾነ ብምጥቃስ ይኹን ድኣ እምበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሕርየኦም ሰላም ሙዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊፆም እዮም ስለዝኾነ እውን’ዩ ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተጓቲቱ እናሃለወ እውን እቲ ውዕሊ ክትግበር ብትዕግስትን ብሰላማዊ መንገድን ዝፅውዕ ዘሎ ክብሉ ኣረዲኦም።
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ተገይሩ ኣደዳ ሕማም ፣ጥምየትን ሞትን ይኾኑ ከምዘለው መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ሓደ ምስክር እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚዳንት ስለዚ ድማ ዕላማ እዚ መተኣኻኸቢ እቶት ንኲናት ኣይኮነን የግዳስ ኣብ ልዕሊ ጉድኣት ኲናት ተጋደልትና ፣ ኣብ ተመዛበልቲ ወገናትናን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናትን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ንምቕናስ ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ፕረዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ እዚ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ንክፈሽል ዝግበሩ ዘለው ምንቅስቓሳት ጉድኣት ኲናት ከይሕከሙ፣ ተመዛበልቲ ወገናት ከይምለሱ ከምኡ’ውን ናይ ሕውየት ስርሓቲ ከይካየዱን ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ኩላትና ክንርዳእ ይግባእ ዝበሉ ኮይኖም ስለዚ ድማ ነዚ ፀለመ ነፂግና ኩላትና ኣብዚ ምትእኽኻብ እቶት ክንሳተፍን ናይ ወገናትና ህልውና ክነውሕስን ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም።
ካብዚ ቀፂሉ ዝቐርብ ዘሎ መፀለምታ ድማ መሪሕነት ትግራይ እቲ ዝእከብ ሃፍቲ ንውልቀ ረብሐኦም ከውዕልዎ እዮም ዝብል ከምዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ፕረዚዳንት ኣብዚ ከረጋግፆ ዝደሊ ድማ ዝእከብ ሃፍቲ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ መዓልኡ ከምዝውዕል እዩ ክብሉ ኣፍሊጦም እዮም። እዚ ከይዲ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ድማ ደንብን ዝርዝር ናይ ኣፈፃፅማ መምርሕታትን ወፅዩሉ ዝተግበርን ግልፂ ናይ ኦዲትን ሒሳብን ስርዓት ወፅዩሉ ዝምራሕ ኮይኑ ኣፈፃፅምኡ ድማ በብ እዋኑ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ዝግበር እዩ ክብሉ ሓበሮም እዮም።



Leave a Reply