ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ተፈፃሚ ምግባርን ካብቶም ቁልፊ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኖም ፕረዚዳንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ኣፍሊጦም።

ህላወን ድሕንነትን ትግራይን ህዝባን ንምውሓስ ውድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባብናን ብብሰለት ብምርዳእን ጌጋታት ከይንፍፅም ተጠንቕቕናን ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝፍፀሙ መደባትን ኣንፈታትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቶም ንኣመራርሓ ወረዳታት ፣ ከተማታትን ዞባታትን ትማሊ 8 ሰነ 2017 ዓ/ም ናይ ስራሕ መምርሕን ናይ መደብ ኦረንቴሽንን ኣብ ዝሃብሉ እዋን እዩ።

ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ኣተሓሕዞም ዕላማ እቲ መድረኽ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ መንግስቲ መሓውር ኣብ ህልው ኩነታትን ባህሪ እዚ መድረኽን ዝተማለአን ሓበራዊ ርድኢት ብምሓዝ ፣ ንቶም ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሓንፀፁ ሽቶታትን መደባትን ብዘተኣማምን ብርኪ ንምዕዋት ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ንኹሉ ትግራዋይ ዝጠምርን ዝኽበርን ማእኸል ይጎድል ምንባሩ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንመላእ ትግራዋይ ዝሓቁፍን ዝኽበርን ከምኡ’ውን ኩሉ ዝቕበሎን ክኸውን ምግባር ቁልፊ ናይ ትኹረት ነጥቢ ምዃኑ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ኣተሓሕዞም ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕን ብሄራዊ ሓድነት ተጋሩ ናብ ቦትኡ ንምምላስን ብብርኪ ትግራይ ብሄራዊ ዋዕላ ብምክያድ ከም ብሄር ህልውናን ድሕንነትናን ኣብ ዝውስኑ ኣጀንዳታት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ከም ዝስራሕ ኣመላኺቶም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ከምዝገለፅዎ ኣብ ህዝቢ ዘለው ሓቅታትን ስግኣታትን ክወፁ ምግባርን ምልላይን ካብዚ ተበጊስካ ከኣ፣ ብመልክዕ ፖሊሲን መደብን ኣዳሊኻ እርማት ክግበር እዩ። ናይዚ ዕላማ ድማ ኣብ ትግራዋይነት ክፍጠር ዝኽእል ናይ ከባብያውነት ፀገም ካብ ስሩ ብምፍታሕ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምብራኽ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ጉዳይ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ እውን ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ ክምዝስራሕን ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምብራኽ ከምዝስራሕ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ገሊፆም።

ሰላምን ድሕንነትን ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ልኡኽ መንግስቲ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ድማ ኣብ ፅንዓት ዝተመስረተ ኣንፈት ብምኽታል ህዝቢ፣ ምምሕዳርን ናይ ፀፅታ ሓይልን ተደጋጊፉ ክሰርሕ ዝኽለሉ ስርዓት ክዝርጋሕ እዩ ኢሎም።

ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ናይ ምምላስን ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ተፈፃሚ ናይ ምግባርን ጉዳይ ቁልፊ መደብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፤ ውድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባብናን ብብሰለት ብምርዳእን ጌጋታት ከይንፍፅም ልዑል ጥንቃቀ ብምግባር ብሰላማውን ሰላማውን መንገዲ ጥራሕ ንምፍታሕ ከም ዝስራሕ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading