ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ብዛዕባ ድሕንነታዊ ስግኣት ኣካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ብዛዕባ ድሕንነታዊ ስግኣት ኣካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣመልኪቶም ዝርዝር ምኽክር ኣካይዶም።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ 18 ግንቦት 2017 ዓ/ም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣብ ስርዓት ዳይነት፣ ዳያኑን ኣኽበርቲ ሕግን ብዛዕባ ዘንፀላለወ ናይ ድሕንነት ስግኣት ኣመልኪቶም ዝርዝር ምኽክር ኣካይዶም።

ኣብቲ ምኽክር ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ክልልና ኣይተ መንግስቱ ተኽላይን ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ኣይተ ሓዱሽ ተስፉን፣ ኣብ ኣካላት ፍትሒ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ኣብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ከዓ ብፍላይ ብዛዕባ ዘንፀላለወ ናይ ድሕንነት ስግኣት ብዝምልከት ብዝርዝር መብርሂ ዘቕረቡ እንትኸውን፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብልዑል ትኹረት ክሰርሕ ከምዝሓተቱ ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት የመላኽት ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ወሲኹ ከምዝገለፆ እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ከዓ፣ ኣብ ሓፂርን ነዊሕን ግዜ ብዛዕባ ክፍፀሙ ዝግብኦም ጉዳያት ዝርዝር ምይይጥ ብምክያድ ኣብ ሓበራዊ ሰምምዕነት ዝተበፅሐ ኮይኑ፣ ኣብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለን 7ትአን ክፍላተ ከተማ ተቋሪፁ ዝፀንሐ ግልጋሎት ብቕልጡፍ ንምጅማር’ውን አብ ምርድዳእ ተበፂሑ አሎ።

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ብወገኖም፣ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፍትሕን ዳይነትን ዘጋጥም ዘሎ ናይ ውሕስና ፀገማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኣግባቡ ከምዝግንዘቦ ብምሕባር፣ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ብዘላቕነት ብምፍታሕ ድሕንነት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኣብያተ ፍርድን መሓውር ፍትሕን ብዘተኣማን ኣገባብ ውሑስ ንምግባርን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ምስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይን ቢሮ ፍትሕን ብሓባር ብልዑል ትኹረት ከምዝስራሕ ገሊፆም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading