ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ምስ ዋ/ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ምኽክር ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ምስ ዋ/ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ምኽክር ከምዘካየዱ ቤት ጽሕፈት ፕረዚዳንት ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ዋና ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ቾይ ጆንግዩን ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ኮሪያ ብዛዕባ ዝሕገዛ ፕሮጄክትታት ኣመልኪቶም ሎሚ 22 ጉንቦት 2017 ዓም ኣብ ፅሕፈት ቤቶም ተቐቢሎም ምኽክር ኣካይዶም።

እቲ ብዋና ዳይሬክተር ዝተመርሐ ጉጅለ ትግራይ ኣብ ድሕረ ኲናት ዘላትሉ ኩነታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምጥንኻር መስርሕ ምስንባት፣ ዳግመ ፅንበራን እግሪ ምትካልን ሰራዊት ትግራይ ንምዕዛብ ዝኸኣሉ እንትኾን መንግስቲ ኮሪያ እዚ ንምጥንኻር ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ብመንግስቲ ኮሪያ ዝሕገዛ ፕሮጄክትታት ተዘዋዊሮም ከምዝተዓዘቡ እውን ቤትፅሕፈት ፕረዚዳንት ኣብ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ኣድራሽኡ ኣብ ዝዘግሖ ሓበሬታ ኣመላኺቱ ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading