ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር እቲ ወድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ምጅማር ስራሕ ዘረባ ዘስምዐ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል “እቲ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ንምግላፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ተሓባቢርናን ተደጋጊፍናን ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክነዐውት ዘለና ውፉይነት ንምግላፅ ዝተዳለወ እዩ” ክብል ከምዝገለፀ ወድብ ህወሓት ኣብ ዕላዊ ፌስ ቡክ ገፁ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ንፁራት ተልኡኾታት ሒዙ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተልእኾታቱ እናፈፀመ ኣይፀንሐን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ፤ ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን ተልእኾታቱ ዝፍፅም ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ክመዓራረ ንምግባር ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ቃልሲ ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝመዓራረየሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ገሊፁ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ወሲኾም ከምዝገለፅዎ “እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዓራርዩ ህዝብና ትፅቢት ዝገብሮ ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ቀልጢፍካ ምዕዋት ስለዘኾነ፤ ኣብ ትሕቲ ወራር ዘሎ ህዝብናን ልኡላውነትናን ሓራ ንኽወፅእ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቢ ናብ መረበቱ ንኽምለስ ከምኡ እውን ናይ ሰላምን ፀጥታን ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ስርሓቲ ብምስላጥ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝተመረፀ ስሩዕ መንግስቲ ዝኣትወሉ ኩነታት ክመቻቾ” ተደጋጊፎም ንምዕዋት ድልዋት ከምዝኾኑ ንፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ከምዝገለፅሉ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዶ/ር ደብረፅዮን “ሰናይ ናይ ስራሕ ዘመን ንክኾነልካ እናተመነኹ ውድብና ህወሓት ከም ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፍና ግቡእና ብምፍፃም ናብቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ምኽባር ልኣላውነትና ቀልጢፍና ከምንኣቱ ይተኣማመን” ብምባል ንፕረዚደንት ታደሰ ሰናይ ትምኒቶም  ከምዝገለፅሉ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኖም ነቲ ዝተዳለወ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ብምምስጋን “ካብ ሕሉፍ ድኽመታትና ተማሂርና ምድግጋፍናን ምትሕብባርናን ንቐፃሊ ጉዕዞና ወሳኒ እዩ” ክብሉ ከምዝሓበሩ ካብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፅ ውድብ ህወሓት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ወሲኾም ከምዝሓበርዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቕፅል ናይ ሓደ ዓመት ፃንሒቱ በቢርብዒ ዓመት ዝከፋፈሉ መደባት ሒዞም ቀዳምነት ንዝወሃቦም ጉዳያት ቀዳምነት እናሃቡ ከምዝሰሑ ኣመላኺቶም።

ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ተሓጋጊዞም ፀገማት ህዝቢ ክፈትሑ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዝወለዶ ዓብዪ ጠለብ ህዝብና ክንምልስን ፅቡቕ ኣሰር (legacy) ክንገድፍን ክንደጋገፍ ግቡእ እዩ ዝበሉ እንትኾን ኣብቲ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ከምዝተሳተፉ እውን ተሓቢሩ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading