“ንትግራይ ብጥሜት ናይ ምቕፃዕን ምድቃቕን ፖሊሲ ‘ኣራት ኪሎ’ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ዘረጋግፅ እዩ”ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ርብርብ ከምዝንእድ ዝገለፀ እንትኾን ናብ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ዝጥምት ውሕስናን ክብርን ህዝቢ ብዘረጋግፅ መንገዲን ፤ ተፈናቐልቲ ናብ ቤቶም ዝምለስሉን ግዝኣት ትግራይ ኣብ ዝኽበረሉ ዕማም ኩሉ ሰሚሩ ፅዕንትኡ ከበርኽ ግድንን ግቡእን እዩ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ሳወት ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ እዩ።

ካብ ምውቕን ምችውን ቤቱን መረበቱን ተፈናቒሉ ኣብ ‘መዕቖቢ ጣብያታት’ ዘሎ ህዝብና ሐዚ እውን ዝበፅሖ ዘሎ ስቓይን ሞትን ብዝለዓለ መጠን ተጋፊሑ ህይወት ደቂ ብሄረ ትግራይ ከም ብዋዛ እናበለዐ ይቕፅል ኣሎ ክብል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ገሊፁ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይኣብ መግለፂኡ ብተበግሶ ወለንታውያን ዝተገበረ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎ መምርሒ” እከይ ክልከላ” ክብል ዝኮኖ እንትኾን እዚ ውሳነ ድማ “ሐዚ እውን ትግራይ ብጥሜት ናይ ምቕፃዕን ምድቃቕን ፖሊሲ ‘ኣራት ኪሎ’ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ዘረጋግፀ ውሳነ እዩ” ክብል ገሊፁ እዩ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ “ህዝብና ንጥሜትን ሞትን፣ ዓድና ንጥፍኣት፣ ብሄርና ንውርደት ኣቃሊዑ እዩ” ክብል ንውድብ ህወሓት ዝኸሰሰ እንትኾን “ሓቋፋይ ግዝያዊ መንግስቲ ክውን ንምግባር ኩሉ ክንቀሳቐስ ድማ ፀዊዑ እዩ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ወሲኹ ከምዝበሎ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ጥሜት ከም ብሄራዊ ህፁፅ ሓደጋ ተራእዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብራ ትካላት ህይወት ኣብ ምድሓን ብዕቱብ ክረባረባን ታሪካዊ ሓላፍነተን ክዋፅኣን ድማ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading