ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ብቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዝተውሃበ መግለፂ

መሰል ምንባር መንጢልካ ዝፀንዕ ስልጣን ክሳብ መዓዝ? – ቃንዛ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

ብስንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መሰካሕከሒ ደማዊ ኩናት ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ብዘይተፈተንዎ ዓይነት መከራ ዳርጋ የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን ። እቲ ኩናት ጠጠው ንክብል ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ ተባሂሉ እፎይታ ዝተገብረሉ ግዜ ዋላ እኳ እንተነበረ ንተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ግን እቲ ፀልማት ገና ኣይወግሐን። ብዙሕ ሃፍትን ምችው ናብራን ዝለመዱ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ትሕቲ ፕላስቲክን ተበጣጢሱ ዝተወደአ ድንኳንን ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ምንባር ብቃላት ክግለፅ ዘይኽእል ኩለ-መዳይ ስቃይ እዩ።

ውዕሊ ፕሪቶርያን ዝተጠለመ ተስፋን!

ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶርያ ንተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዓብዪ ተስፋ ሂቡ ነይሩ። መሰረት እቲ ውዕሊ “ብዘይ ሕገ-መንግስታዊ መንገዲ ዝተተሓዙ ቦታታት ናብ ንቡር ክምለሱ” ዝብል ዓብዪ ነጥቢ ዝሓዘ ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ውዕሊ ካብ ወረቐት ሓሊፉ ናብ ተግባር ክቕየር ኣይተራእየን። ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም ዝብሉ መፅበዓታት ምእታው ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ። እቲ ዝገርም ድማ ብስንኪ ናብ ተግባር ዘይተሸረፈ መፅበዓ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ መዕቆቢ ኮይኖም ረኣዪ ስኢኖም ብሕማምን ጥሜትን ብዝኸፍአ ድማ “ብኣዛብእ ይብልዑ ምህላዎም” እዩ።

ንፖለቲካዊ ሕንኮላ ተመዛበልቲ መን እዩ ተሓታቲ?

ብዘሎ ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ቦትኦም ተመሊሶም ዝሓሸ ሂወት ንከይመርሑ ዝገብሩ ዘለዉ ክልተ ቀንዲ ምኽንያታት ኣለዉ።
እቲ ቀዳማይን ዋናን ተበግሶ መንግስቲ ፌደራል ዳርጋ ዘየለ ምዃኑ እዩ። መንግስቲ ፌደራል ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎ። ይኹን እምበር ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ውሳነ ንምሃብን ነቲ ውዕሊ ንምትግባርን ዘርእዮ ዘሎ ምጉታትን ጠቕሊሉ ክፍፀም ዘይምድላይን ነቲ ስቃይ ኣናዊሕዎ ይርከብ። ብሓይሊ መሬት መንጢልካን ህዝቢ ኣባሪርካን ዝፀንዕ ስልጣን ከምዘየለ ታሪኽ ዝሕብሮ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ፌደራል ግን እዚ ሓቂ ንምትግባር ዋላ ውዕሊ ዘለዎ እንተኾነ ክውን ንክኸውን ግን ድሌት ዘለዎ ኣይመስልን።
እቲ ካልኣይን ኣዝዩ ዘሕዝንን ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምስምማዕ እዩ። ፖለቲከኛታትን ኤሊታትን ትግራይ ቅድሚ ንሕንሕን ውሽጣዊ ጎንፅን ድሕንነት እቲ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ክሰርዑ ይግባእ ነይሩ። ህዝቢ ኣብ መዕቆቢ ብጥሜት እናረገፈ ፖለቲከኛታትን ኤሊታትን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእን ስምምዕን ዘይምብፅሖምን ሓደ ድምፂ ኮይኖም ኣጀንድኦም ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ጉዳይ ተመዛበልቲ መዕለቢ ክረክብ ዘይምስርሖምን ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ተስፋ ዘቑርፅን ንፀላእቲ ዕድል ዝህብን ታሪኻዊ ጌጋ ኮይኑ ይምዝገብ ኣሎ።

መፍትሒኡ ደኣ እንታይ ይኹን?

ጉዳይ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ህፁፅ መፍትሒ እንተዘይረኺቡ ሳዕቤኑ ካብቲ ዘሎ ዝኸፍአ ክኸውን እዩ። ስለዚ፡-

  • መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት ሕገ-መንግስትን ውዕሊ ፕሪቶርያን ነቶም ብሓይሊ ዝተተሓዙ ቦታታት ናብ ንቡር ምምሕዳር ክምለሱ ቀጥታዊ ትእዛዝን ስጉምትን ክወስድ ብምግባር ጉዳይ ተመዛበልቲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ደኣ እምበር ፖለቲካ መደራደሪ ክኸውን ከምዘይብሉ፣
  • ውድባት ፖለቲካ፣ ፖለቲከኛታትን ኤሊታትን ትግራይ ዘለዉ ኣፈላላያት ብኢሂን ምሂን ብምርድዳእ ኣብ ኣጀንዳ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሓደ ድምፂ ኮይኖም ህልውና እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ከውሕሱ ህዝቢ እንተዘይሃልዩ ፖለቲካ ኮነ ካልእ ትርጉም ከምዘይብሉ ናብ ሓደ ምርድዳእ ክበፅሑን ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃን ንተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶርያን ካልኦት ዕማማት ግምትን ሓጋዛይ ግደ ብምብርካት ኣካል ፈተሕቲ ፀገም ተመዛበልቲ ክኾኑ ፣
  • ኣወዓዓልቲ ውዕሊ ፕሪቶርያን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን፣ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ዘተግበርዎ ውዕሊ ክፈርስ ብስምምዕ ሱቕታ ክርእዩ ከምዘይብሎምን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክሳብ ዝምለሱ ፀቕጢ ክገብሩን ሰብኣዊ ሓገዛት ከቕርቡን ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ መሰል ምንባር ተፈጥሮኣዊ ስለዝኾነ መንጢልካን ብሓይሊ ብምሓዝን ዝፀንዕ ስልጣን ድማ የለን። ንግዚኡ ዝተዓወተ ክመስል ይኽእል ይኸውን፣ ግና ታሪኽን ሓቅን ኣብ መወዳእታ ምዕዋቶም ኣይተርፍን። ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ግን ፍትሒ ክሳብ ዝመፅእ ዋላ እኳ እንተተዓገሰ ስቃዩ ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአን ደቁ በዛብእ በቢግዜኡ እናተመንጠለን ክፅበ ዝኽእለሉ ዓቕሚ ዳርጋ ይፅንቀቕ ስለዘሎ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሕልናኡ ብምፍታሽ ዘላቖን ቕልጡፍን መፍትሒ ንምምፃእ ክረባረብ ኣለዎ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading