“ፈፀምቲ ገበን ፅንተት ትግራይ ኩሉሻብ ብስሞም ክፅርሑን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሳብ ዝነግስ ዘየቋርፅ ቃልሲ ይጠልብ” ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ……..

ብጥምረት ሓይልታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተት ንደቒቕ እውን ክርሳዕን ክነኣኣስን የብሉን። ፈፀምቲ ገበን ፅንተት ትግራይ ኩሉሻብ ብስሞም ክፅርሑን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሳብ ዝነግስ ዘየቋርፅ ቃልሲ ይጠልብ። ብምዃኑ እውን ባርባራዊ ጨፍጫፍ መግለፂኦምን ምስሎምን ዝኾኑ ስርዓታት ህግዴፍን ብልፅግናን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ፅንተታዊ ጨፍጫፍ ኣይንርስዖን፤ ናብ ቆስልና ግራጭ ዝሰዱን ነዞም ገበነኛታት ኣብ ምጥባር ዝተዋፈሩን ውሽጣዊ ሓይልታት ድማ ኣምሪርና ንፅየፎም።

ወርሒ ሕዳር 2013 ኣክሱምን ማርያም ደንገላትን ንሃይማኖታዊ በዓል ዝተኣኻኸበ ህዝብና፡ ተላፊኖም ብሄረ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ትልሞም ብጥይትን ጭካነን ካብ ዝገለፁለን ብዙሓት ቦታታት ትግራይ ይጥቀሳ። ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ እምነታትን ዘዕቆበ ሰላማዊ ዜጋ ብኣልማሚት ዝጨፍጨፉን ኣረሜኒያዊ ጭካንኦም ዘርኣዩ ናይዚ መዋእል ሂትራላውያንን ጎብልሳውያንን ኣብ ናይ ፍርዲ ኣደባባይ ከይቀረቡ ንኻልእ ዙር ጥፍኣት ዝዳለውሉ ዕድል ምርካቦም የጉሂ። ውልቃውን ጉጅላውን ረብሐኦም ልዕሊ ህላወ ብሄረ ትግራይ ሰሪዖም ብኹሉ ገፅ ምስ ዘለው ሓይልታት ፅንተት ድሙንሙን ዝብሉ ብሽም ትግራይ ዝተወደቡ ሓይልታት ምህላዎም ድማ ቃልስና ከቢድን ዝተሓላለኸን ይገብሮ። ኣብ ትግራይ ዝተፈፅመ ፅንተትን ፈፀምቱን ብዝምልከትን ብዝኾነ ይኹን ኣገባብን ኩነታትን ፖለቲካዊ ሕድገት ዘይግበሮ ቀይሕ መስመር ምዃኑ ዝኣምን ውድብና፡ ምስ ሓይልታት ፅንተት ዝግበር ወደኽድኽን ዘይንቡር ርክብን ኣትሪሩ ይኹንኖ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተት ተሓታትነት ክህልዎን ፍትሒ ክረጋገፅን ይቃለሱ ንዘለው ውልቀ ሰባትን ትካላትን ናእድኡ ዝላዓለ ኾይኑ ኣብ ጎኖም ኾይኑ ቃልሱ ከም ዝቕፅል ድማ ከረጋግፅ ይፎቱ።

ብሄረ ትግራይ ካብ ዒንኪላሎ ጥፍኣት ዝናገፍን ዘላቒ መፍትሒ ንምምባር ዕድል ዝፈጥርን ብርቱዕ ብሄራዊ መንግስቲ ኣብ ምግሃድን ምውናን ዝተደረኸ ከም ዝኾነ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ነዚ ኣሳልጦ ዝህብ ብሄራዊ ጉባኤ ክፅዋዕ ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ኹሉ ኣብ ጎንና ኾይኑ ፀቕጡ ከሐይል ንፅውዕ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading