ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት 7ይ ዙር ጠቕላላ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ፀጥታ ንምግምጋም ዝዓለመ መድረኽ ኣካይዱ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት መበል 7ይ ዙር ጠቕላላ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ፀጥታ ንምግምጋም ዝዓለመ መድረኽ ኣካይዱ። እዚ መድረኽ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ክልላትን ውድባት ፖለቲካን ከምዝተረኸቡ ዝተሓበረ እንትኾን ኣከቢት ቦርድ እቲ ቦርድ መረፃ ዝኾነት ሜላተወርቅ ሃይሉ እቲ ቦርድ ቅድም ክብል ብዘውፅኦ መርሃ ግብሪ መሰረት ስራሕቱ እናካየደ ከምዝርከብ ገሊፃ እያ።

በዚ መሰረት ድማ ካብ ጥሪ 1 ጀሚሩ ክሳብ የካቲት 1/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ ናይ ሕፁያት ተወዳደርቲ ምዝገባ ዛጊድ 41 ሕፁያት ብውልቀኦም ዝወዳደሩ 15 ድማ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ጥምረታት ዝቐረቡ ፓርቲታት ኣብ ምምዝጋብ ከምዝርከቡ እታ ኣካቢት ቦርድ ኣፍሊጣ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ቦርድ መረፃ፡ መረፃ ኣብ ዝግበረሎም ኸባብታት ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብቢጫ ፣ ቀይሕን ቆፃልን ቀለም ከምዝፈለየ ዝገለፀት ኮይና ኣብዚ መድረኽ ድማ ምስ ኣካላት ፀጥታ ዘተ ከምዝተኻየደሉ ተሓቢሩ እዩ።

ኣብዚ መድረኽ ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከት ዝተብሃለ ነገር ብዛዕባ ምንባሩ ዝተገለፀ ነገር ዘየለ እንትኾን ቅድም ክብል መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እውን መረፃ ከምዘካይድ ብምጥቃስ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ ድልውነት እተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ናቑጣታት መረፃ ሓቲቱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ይኹን ድኣ እምበር ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሃቦ መልሲ ብዛዕባ ምንባሩ ብወገን ቦርድ መረፃ ይኹን ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተገለፀ ነገር የለን።

ይኹን ድኣ እምበር መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣቢሉ ኣብ ዘውፀኦ ዝርዝር ናቕጣታታት መረፃ ብመሰረት ሕገ መንግስታዊ ዶባት ዘቐመጦም እንትኾን ኮይኑ ግን ቅድም ክብል ውድብ ህወሓት ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ውድባት ፖለቲካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ዘይተመለሰሉ ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብ ዘይተመለስሉን እዚ ዝበሃል መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ምድላው ኣብዘይተገበረሉን ዝግበር መረፃ ተቐባልነት የብሉን ብምባል ፡ ቅድሚ መረፃ ምክያዱ ክውገኑ ዝግበኦም ቅድመ ኩነታት ከምዘለው ብምጥቃስ ተቛውሞኦም ምግላፆም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ተደራዳራይ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝኾነን ኣብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ዝበዝሐ ቦታ ዝሓዘን ውድብ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ሕጋዊ ሰውነት ኣብ ዘይተውሃበሉ ኩነታት ምዃኑ ከምዘሎ ኮይኑ ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ካብ ዝፍረም ሰለስተ ዓመታት ዝገበረ ስምምዕነት ተጣሒሱ ንፁሃን ዜጋታታት ግዳያት ዝኾንሉ ደብዳብ ድሮን ተፈፂሙ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሐዚ እውን ግን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ኣብ ትግራይ መረፃ ከምዘካየድ እናገለፀ ዘሎ እንትኾን ብኸመይ ኣገባብ ክካየድ ይኾን? ወይ መረፃ እንድሕር ዘይተኻይዱ መፃኢ ዕጫ ትግራይ እንታይ ክመስል ይኽእል? ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ወረራ ዘለው ግዝኣታት ይኹን ርክብ ኢትዮጵያን ትግራይ ኣብ ምንታይ ዝተመስረተ ክኾን ይኽእል ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እናኾነ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading