መእተዊ፥
ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ድሕሪ ዘካዶ መሪር ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ፣ ክቡር መስዋእትነት ከፊሉ ንፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ስዒሩ ፤ ዓዲ ካብ ምብትታን ዘድሐነ ሓዱሽ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክትከል ዝገበረ ህዝቢ እዩ። ንሕገ- መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ብዝሃቦ መሪሕነትን ፣ ዘካየዶ ኩለ መዳይ ቃልስን ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንሰለስተ 10ታት ዓመት ዓላም ዝመስከሮ ኣብ ሰላም ፣ ኣብ ልምዓትን ዴሞክራሲን ዘኹርዕ ታሪኽ ንምስራሕ ተኻኢሉ እዩ።
ኣብ ጉዕዞ ሰላማዊ ፣ ልምዓታውን ዴሞክራሲውን ቃልሲ እናሃልና ፣ ኣብ ሕሉፍ ቃልስና ዝተስዓሩ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ፣ ኣብ ውድብና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘነፃፀረ ናይ ፅልኢት ዘየቋርፅ ፀለመን ወፈራታት እናካየዱ ድሕሪ ምፅንሕ ፣ ” ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ሐዚ ይካኣል እዩ” ኢሎም ኣብ ዝገመትዎ ግዜ ዘራያት ኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጆኖሳይድ ክፍፀም ፣ ኣብ ዓድና ድማ ታሪኽ ይቅረ ዘይብሎ ኩለመዳይ ግፍዕን ብርሰትን ፈፂሞም እዮም።
እቲ በሰላ ኩናት ኣቀዲሙ ዝርዳእ ወረጃ ህዝብናን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ብተደጋጋሚ ንሰላም ኢዶም እንተዘርግሑ ‘ውን ሰማዒ ስለዘይተረኸበ ፣ ከም ህዝቢ ዝነበረና ብሕታዊ መማረፂ መኪትካን ስዒርካን ምውፃእ ጥራሕ ብምንባሩ ፣ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ኣንፃር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ወራር ፅንተት ደጀንን ግምባርን ብምትእስሳር ብመስተንክራዊ ፅንዓት መኪቱ ናይዚ ውፅኢት ድማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ክፍረም ኣኽኢሉ እዩ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈጠሮ ናይ ሰላም ሃዋህው እንተሃለወ እኳ ብሙሉእነት ክትግበር ብዘይምኽኣሉ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ኣይወፀን፣ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ በዓል ዋንኡ ኣይተመለሰን ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብናን ናብ መረበቱ ክምለስ ስለዘይተገበረ ሐዚ ‘ውን ከርፋሕ ናብራ ክደፍእን ተወሳኺ ዋጋ ይኸፈል ኣሎ፡፡
ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ‘ውን መሰሉ ተገፊፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመንነቱ ምኽንያት ብሰላሕታ ይፀንት ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተዳዕነኑ ማእለያ ዘይብሎም ፀገማት ንክፍትሑ ዘኽእል ጥንኩር ውሽጣዊ ሓድነትና ዓቂቡ ፣ ስትራተጅክ ዓቅምታት መኸተ ወዲቡ ብቁዕ መሪሕነት ብምሃብ ናይ ምድርዳር ዓቅምና ክብርኽን ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝተማለአ ኣገባብ ንክፍፀምን ኣብ ክንዲ ምምራሕ ፤ ንውልቐ ስልጣኑን ረብሕኡን ክብል ብሄራዊ ረብሓታትና ኣብ ምህጋር ተፀሚዱ ክሰርሕ ዝፀንሐ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ናይዚ ኩሉ ጥፍኣት ብሞራልን ብታሪኽን ብዝለዓለ ደረጃ ተሓታቲ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡
ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ንውድብና ኣፍሪሱ ፣ ስትራተጂክ ዓቅምታት መኸተና በቲኑ፣ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብምድኻም ፣ ናይ ምግባር ተኽእልኡ ተመንዚዑ ብፀላእቱ ንክምብርከኽ ምስ ናይ ውሽጥን ግዳምን ሓይሊታት ተላፊኑ ስልጣን ብቐዋምነት ንክብሕት ኩሉ ዓይነት ርብርብ እናካየደ ፀኒሑ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ውድብና ህወሓት ንኩሎም ስትራተጂክ ዓቕምታት መኸተና ብምትሕብባር ዘካየዶ ውሕሉል ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲን ንምልኣተ ህዝብና ብዘሳተፈ ወፍሪ እምቢታን ነቲ ስልጣን ብሒቱ ኣንፃር ብሄራዊ ረብሓና እናሰርሐ ዝፀንሐ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ ካብ ዝሓዞ ስልጣን ክእለ ሳላ ዝተገበረ ንሱ ኣብ ውሽጡ ሓቢኡ ህዝቢ እናዳናገረሉ ዝፀንሐ ናይ ኣሰላልፋ ባህሪኡ እንትቃላዕን ናብ ደምብኡ እንትፅምበር ፤ ንሕና ድማ ኣብ ህዝባዊ ዕላማና ሰሚርና ረብሓታትን ባህግታትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘረጋግፅን ዘበስሩን ወሰንቲ ብሄራዊ ኣጀንዳታት ክንዝቲ ምችው ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡
ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሕሉፍ ዝባኸነ ግዜን ዘምለጡና ዕድላትን ፀጋታትን ንምክሕሓስ ብዘኽእል ናይ ህዝብና ሕቶታት ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ መሪሕነት ጭቡጥ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ንምጅማር ማእኸል ዝገበሩ ወሰንቲ ብሄራዊ ኣጀንዳታትና እንዝትየሉ ” ብሄራዊ ሓድነትና ንምዉሓስ ሉእላዊነትና ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መራሒ ሓሳብ ተዓጂቡ ሓደ ኣብ ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝነበረና ኣፈፃፅማ መደባት ምግምጋም ፣ ክልተ ህልዊ ዓለማዊ ፣ ጆኦ-ፖለቲካውን ሃገራውን ኩነታት ብመንፀር ንትግራይ ዝህልዎም ትርጉም ፣ ሰለስተ ቀፀልቲ ናይ ቃልሲ ኣንፈታትን ማእኸል ዝገበረ መድረኽ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ህወሓት ብዕዉት መንገዲ ተሳሊጡ ኣሎ።
ናይዚ ክልላዊ መድረኽ ተሳተፍቲ ኣካላት
ኣብዚ ክልላዊ መድረኽ ገዝተሳተፉ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ 240 -ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1337 ተሳተፍቲ ዝተረኸሉ” ብሄራዊ ሓድነትና ንምዉሓስ ሉእላዊነትና ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ፣ ካብ 23 ክሳብ 25 ሚይዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ተኣኪብና ኣብ ኣጠቓላሊ ኩነታት ውድብና ፣ ህዝብና ዝርዝር ገምጋም ምይይጥን ኣካይድና ዘለዉና ተደራረብቲ ፀገማት ዝፍትሕሉ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ብምንፃር መድረኽና ብዕዉት ኣገባብ ተዛዚሙ ኣሎ፡፡ ካብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብናን መሪሕ ዉድብና ህወሓትን እንወስዶ ተመኩሮ እንተሃለወ እቲ ጉዕዞ ብልሙፅ መንገዲ ጥራሕ ዝውዳእ ስለ ዘይኸውን ፣ ኣብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ሰላማውን ፖለቲካዊን ቃልሲ ፈተንቲን ህልኽካ ዘወድኡን ፈተናታት ክገጥመና ከም ዝኸእል ኣሚትና ፣ ባህግን ክብርን ህዝብና ጋህዲ ንምግባር ደምዲምና ከም ዝስዕብ በዓል 10 ሓበራዊ ቅዋም መግለፂ ኣዉፂእና ኣለና።
መግለፂ ቅዋም!
1.” ብሄራዊ ሓድነትና ንምውሓስ ልእላዊነትና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምዕሳል፣ ግዝኣታዊ ሓድነትና ናብ ዋነኡ ክምለስ ፣ ተመዛበልትን ዝተሰደደን ህዝብና ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስ ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኮይኑ ሓሳረ መከርኡ ዝርኢ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንክወፅእ ኩሎም ስትራተጂካዊ ዓቕምታት መኸተና ብምትሕብባር ፣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲና ከም እነሐይል ቃል ንኣቱ;;
2.ንመደባት ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ ፣ ብዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቃስ ክምርሕ ብምግባር በቢደረጅኡ ዘሎ መሪሕነት ብዝለዓለ ተወፋይነት ወሲኑ ክወፍር ፣ ካብ ተሳትፎ ሓፋሽ ተነፂሉ ዝካየድ ምንቅስቓስ ቀፃልነት ዘይብሉ ምዃኑ ብምግንዛብ ባህጊ ህዝብና ብምትንታን ፣ ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ተሓንጊጥና ኣሰሮም እናተኸተና ኣብ ዳግመ ሕውየትንን ህንፀትንን ትግራይ ብዝተነፀረ ስትራተጅን ኣንፈትን መሰረት ቆጣባይ ዝኾነ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ብምትእትታው ፣ ቀዳምነት ዝውሃቦም ሕ/ሰባዊ ክፍልታት ብምንፃር ብሓፈሻ ድማ መላእ ህዝብና ብፍትሓዊነት ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ናይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትልሚ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ንምግባር ቃል ንኣቱ፡፡
3. ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ህዝብና ብቑዕ ግልጋሎትን ፍትሕን ንከይርከብ ብባዕላውን ውድዓውን ምኸንያታት ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ግልጋሎትን ፃምእ ፍትሕን ምፅንሑ ንድርዳእ ኢና፡፡ ኣብዚ መዳይ ህዝብና ልቢ ብምዕባይ ንዝረኣዮ ተፃዋርነትን ትዕግስትን ድማ ንንእድ፡፡ ነዚ ብምርዳእ ኣብ መዳይ ዘፈር ፀጥታን ድሕንትን ዝረኣዩ ፀገማት ፣ ኣብ ውራ መሬትን ምሕደራ መዓድንን ዝረአ ዘሎ ሓድገኛ ኩነታት ህዝብና ኣሳቲፍና ናብ ስርዓት ክኣቱ ብምግባር ፣ ኣብ ስሉጥን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ክረጋገፅ ኣብርቲዕና ከም እንቃለስን ዝነበሩ ፀገማት ፈቲሕና ንሕሉፍ ብዘካሓሕስ ንህዝብና ክነግልግል ቃል ንኣቱ፡፡
4.ብሰንኪ ጆኖሳይድ ዝተሃሰየ ቁጠባና ክሳብ ሐዚ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ስራሕቲ ብዕቱብ ኣይተጀመረን፡፡ በዚ ምኸንያት ድማ መጠን ድኸነት እናወሰኸ ይኸየድ ብምህላው ህዝብና ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ምስቲ ዝፍጠር ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት ለገስቲ ትካላትን ክገብርዎ ዝፀንሑ ውሱን ሓገዝ ምቑራፁ ስዒቡ ፣ ኣብ ህዝብና ካልእ ተወሳኺ ፀገም እናኾነ ይመፅእ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ቁጠባዊ ሕውየት ምርግጋፅ ንፅባሕ ዘይበሃል ናይ ህልውና ሕቶ ኮይኑ ይመፅእ ብምህላው ፣ ኣብ ምድንፋዕ ማእቶት ዝለዓለ ርብርብ ብምግባር ዓርሰ ምርኮሳና ዘውሕስ ስራሕቲ ንምስራሕን ዓርሰ ምትሕግጋዝ ብምጥንኻርን ብዝለዓለ ሕራነ ከም እንረባረብ ነረጋግፅ፡፡
- ስምምዕ ፕሪቶርያ ውፅኢት ክቡር መስዋእትና እዩ፡፡ እዚ ስምምዕ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ዓጊቱ ናብ ሰላማዊ ፣ ፖለቲካውን ቃልሲ ዘሰጋገረ ስለ ዝኾነ ብግቡእ ንክትግበር እናተቓለስና መፂእና ኢና ፡፡ ንተግባራውነቱ ድማ ሐዚ እውን እንተኾነ ተወሳኺ መስዋእቲ ንኸፍል ኣለና፡፡ ይኹን ‘ምበር ብሰንኪ ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ ዝፀንሐ ብሄራዊ ክሕደት ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንተፈፃምነት እዚ ስምምዕ ቁርፀኛ ዘይምዃን ፣ መደራደርቲ ኣካላት እውን ዕጥቂ ፍትሑ ካብ ምባል ሓሊፎም እቲ ስምምዕ ብፓኬጅ ንክፍፀም ዘርኣይዎ ድልወነት ውሱን እዩ፡፡ እዞም ፀገማት ተመጋጊቦም እቲ ስምምዕ ክሳብ ሐዚ ብሙሉእነት ኣይተተግበረን። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት፣ ስደትን ትሕቲ ወረርቲን ዘሎ ህዝብና ኣደዳ ጥሜት ፣ ሕማምን ሞትን ይኸውን ኣሎ። እዚ ፀገም ክፃወሮ ኣብ ዘይኸእለሉ ብርኪ እውን በፂሑ ይርከብ፡፡ ሐዚ እውን ኣብዚይ መዳይ ዝተርኣየ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፀገም ብምፍታሕ፣ ሕገ መንግስታዊ ልእላውነት ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክምለስ ፣ ህዝብና ሓራ ክወፅእን ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ስሩዕ ሂወቱ ክመርሕ፣ፖለቲካዊ ዘተ ክጅመር፣ ገበን ጆኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓታትነት ክረጋገፅ፣መደባተ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብዕሊ ክጅመር፣ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘፈራረሙ ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ክግምግምን ግቡእ ቃልሲ ክገብርሉን እናፀዋዕና ፣ ህልውና ህዝብና ንምውሓስን መስል ዓርሰ ውሳነናን ንምርግጋፅን ኩለ መዳይ ሰላማውን ፖለተካውን ቃልስና ከም እነሐይል ቃል ንኣቱ፡፡
6. ውድብና ህወሓት ብህዝቢ ተፈጢሩ ፣ በቢ ምዕራፍ ቃልሱ ምስ ህዝቡ ወጊኑ ብሓዊ እናተፈተነ ብህዝቢ ተሳሒሉ ፣ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ዘጋጠመዎ ውሽጥን ግዳምን ፈተናታትን ምስ ህዝቡ ኮይኑ እናበደሀ ን50 ዓመታት ኣብ ቓልሲ፣ ዓወትን ፅንዓትን ዝዘለቐ ህዝባዊ ውድብ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣፍልጦ ውድብና ህወሓት ዝምልከት ኣብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ተከቲሙ ዝሓደረን ብህዝቢ ትግራይ ዝውሰን ምዃኑን ንኣምን፡፡ ይኹን እምበር ብሰንኪ ዘጋጠመና ጆኖሳይዳዊ ወራር ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ንቡር ንክምለስ ዕልባት ዝረኸበ ጉዳይ ምዃኑ እናተፈለጠ ፣ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንስምምዕነት ፕሪቶርያ ብዝፃረር ኣገባብ ናብ ተራ ቴክኒካዊ ጉዳይ ኣውሪዱ ፣ ውድብና ከም ብሓዱሽ ንክምዝገብ ምፍታኑ እናኾነንና ፣ ሕዚ እውን ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ናብ ንቡር ንክምለስ ንፅውዕ፡፡
7. ህዝቢ ትግራይ ብሳላ ቃልሱን መስዋእቱን ካብ ዘረጋገፆም ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ሓደ ምኽባር ልእላዊ ስልጣን ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ መግለፂኡ ድማ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ምኸኣል እዩ፡፡ ይኹን እምበር እዚ ከምዚ ዝበለ መሰረታዊ መሰል ተደፊኡ ብዘይመረፆ ግዚያዊ ምምሕዳር ክመሓደርን ተፈሪድዎ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ሕጋዊ ቤት ምክሩ ክፈርስ ተገይሩ ፣ ሓደ ግዜ ኣማኻሪ ካውንስል ፣ ስዒቡ ድማ ” ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ” ብዝብል ንሕገ መንግስታዊ ስልጣን ህዝቢ ዝጥሕስ ፣ ህዝብና ዘይተሳተፈሉ ፣ ገዚፍ ናይ ግልፅነት ፀገም ዘለዎ ፣ ገዛኢ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክቅመጠሉ ተገይሩ እዩ፡፡ እዚ ድማ ፍፁም- ፀረ ዲሞክራስን ፣ ፀረ ሕገ- መንግስትን ብምዃኑ ፍፁም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ እናረጋገፅና ፣ ካብ ግዚያዊ ምምሕዳር ናብ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ንምስግጋር ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብማዕረ ዝወዳደርሉ ሰለማዊ ፣ ዴሞክራስያውን ፍትሓውን መረፃ ንምክያድ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ መንግስቲ ኢትዮጰያ ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ነዚ ዘድሊ ብቁዕ ቅድመ ምድላው ክገብሩ ንፅውዕ፡፡
8. ረብሓን ሓደጋን ህዝቢ ትግራይ ሓበራዊ ምዃኑ ናይ ርሑቅን ቐረባን ታሪኸና ዝተምሃርናዮ ሓቂ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ብገርህን ብጉርሕን ፣ ብግልፅን ብሕቡእን ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ኣደብ ክገብሩ እናፀዋዕና ፣ ንዝራኣዩ ዘለው ፀገማት ትርጉም ብምሃብ ፣ ብኣጋ ክእረሙ ክግበር ብሄራዊ ሓድነትን ክብርን ህዝብና ተዓቂቡ ክዘልቅ ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ ተናሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ፣ ዓበይ ቲዓዲ፣ ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ደገን ዝነብር ህዝብናን ይግበአኒ በሃልቲ ኣካላትን ኣብ ምጥንኻር ዋሕስ ህላወና ዝኾነ ሓድነትና ብውነ ክሰርሑ ፃዒትና እናቅረብና ፣ ኣብዚ መዳይ ካብና ዝፅበ ኩሉ ንምግባር ድለዋት ምዃና ነረጋግፅ፡፡
- ካብቲ ገጢሙና ዝፀንሐ ውሽጣዊ ናይ ምብታን ሓደጋ ፣ ብዝተወሰነ ተናጊፍና ፣ ናብዚ ሐዚ እንርከበሉ ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ መድረኸ ቃልሲ ንክንበፅሕ፣ ናይ ህዝብና ብፅሒት ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ፣ ንዝገበርካዮ ኩለ መዳይ ቃልሲ ናእዳና ዝለዓለ ምዃኑ እናረጋገፅና ፣ ብቐፃሊ እውን ኣብ መደባት ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ፣ ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነትና ፣ ኣብ ምርግጋፅ መሰል ዓርሰ ውሳነና ዝተወደበ ቃልስኻ ክተሓይል እናፀዋዕና ፣ ካብና ዝፅበ ኩሉ ዓይነት ዋጋ ንመከፋል ድልዋት ምዃና ክነረጋግፀልካ ንፈቱ፡፡
10. ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ትነብር መላእ ህዝቢ ትግራይ ፣ ስላ ተወዲብካ ዝመከትካ ኣብ ልዕለና ዝተፈነወ ናይ ጆኖሳይዳል ኩናት ኣብ ምምካት ዓለም ዘስደመመ ዲፕሎማስያዊ ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊ ፀቕጥታት ክዓርፍ ገይርካ ኢኻ። ንስለ ትግራይን ትግራዋይነትን ፣ ተወዲብካ ዝተቓለስካ ህዝብና ጆናሳይዳዊ ኩናት ተዓጊቱ ፣ ናብ ተናፃፃሪ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክሰጋገር ገይርካ ኢኻ፡፡ እንተኾነ ግን ሐዚ እውን መልክዕ ቃልሲ ተቐይሩ እምበር ዕላማና መሊኡ ኣይተዓወተን፣ ህዝብና ሓራ ኣይወፀን፣ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣይተረጋገፀን፣ እቲ ካብ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ዝተረፈ ህዝብና ብጥሜትን ይሕንዘፍ ኣሎ። ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኮነ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ሓሰረ መከራ ይርኢ ኣሎ። ሰኣን መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣደዳ ሞትን ስቓይን ይኸውን ኣሎ ፡፡ ብሓፈሻ ናይ ህዝብና ኩለ-መዳይ ፀገማት ሐዚ’ውን ኣይተፈትሑን። ስለ ዝኾነ ድማ ባህጊ ትግራይን ህዝባን ብዝተማለአ መገዲ ክሳብ ዝረጋገፅ ከም ልማድኩም ብዝተወደበ መንገዲ ቃልስኹም ክተሐይሉ እናፀዋዕና ፣ ውድብና ህወሓት ማእኸል ስሕበት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሱ ኣብ ምኸባር ልእላዊነት፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ምውፃእ ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ኣብ ምምላስ ማእኸል ገይረሩ ክመርሕ ወሲኑ ክቃለስ እዩ፡፡
ብሄራዊ ሓድነትና ንምውሓስ ልእላዊነትና !
ውድብና ብምጥንኻር ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ነብቅዕ!
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ህወሓት
25 ማዝያ 2017ዓ/ም
መቐለ፣



Leave a Reply