“ትዕግስቲ ልክዕ ኣለዎ!”ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

መትከላዊ እምነት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሰላም እዩ። ካብዚ ፅኑዕ መትከሎም ተበጊሶም እውን ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክትግበር ብተደጋጋሚ ክምሕፀኑ ፀኒሖም እዮም። ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን እቲ ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ክሰጋገር እምበር ንድሕሪት ክምለስ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን ሉእላውነትና ተወሪሩ ህዝብና ብዕጡቓት እናተጨፍጨፈ፣ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ እናሃለቐ፣ በዚን በትን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝግበሩ ሽርሕታት ተፃዊርና ከም ህዝቢ ክሳብ ንጠፍእ ክንዕገስ ኢና ማለት ኣይኮነን። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንኹሎም ናይ ሰላም ዕድላት ፀንቂቖም ንምጥቃም ብትዕግስቲ እንትምሕፀኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንፃሩ ብኹናት ኣየሳኻዕኽዎን ዝብሎ ምሉእ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለየ መልክዕ ይቕፅለሉ ኣሎ። በዚ እውን ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ካብ ዝሰጋገር ፀኒሑ ኣሎ።

ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቅዳድ ኬንዳ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ኣደዳ ኣራዊት ይኸውን ኣሎ። እናነከየ ብዝኸድ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኩሎም ማእኸላት መዕቖቢ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ኣሎ። ህዝብና በቢዕለቱ ብጥሜትን ሕማምን ይሞት ኣሎ። ኣካል እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢሙ ሂወት ወገናትና ንስእን ኣለና። እቶም ዛጊድ ብሂወት ዘለው ወገናት እውን ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ኣትዮም ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ከቢድን ኩነታት ይርከቡ። መላእ ህዝብና ከምቲ ዛጊድ እናገበሮ ዝመፀ ደገፍ ክገብር ብፍላይ ድማ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ሂወት እዞም ኣብ ሓደጋ ዘለው ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ዝርከቡ ወገናት ንምድሓን ክረባረቡ ንፅውዕ።

እዚ ተፀባዪ ሓገዝ ኮይኑ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ህዝቢ ትማሊ ንባዕሉ ኮይኑ ንኻሊእ ዝተርፍ ዝነበረ ፃዕራም ህዝቢ እዩ። ሰኣን ግቡእ ፅዕንቶ ማሕበረሰብ ዓለም ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝዘለቐ ጀኖሳይድ ግን ንህልውንኡ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ኣሎ። ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ዝግባእ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀሞ ዘሎ ጀኖሳይድ ልዕሊ እዚ ክፃወሮ ዘይኽእል ምዃኑ እዩ። ትዕግስቲ ልክዕ ኣለዎ። ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ኣደራደርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ጠጠው ንኽብል እጃሞም ክዋፅእሉ ዝግባእ ግዜ ይፅንቀቕ ምህላው ተገንዚቦም ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ሕዚ ክዋፅኡ ይግባእ ንብል።

ብሄራዊ ሓድነት ንምውሓስ ሉእላውነት!

ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ!

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading