እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ፦

ከም ዝፍለጥ ከም ህዝቢ ናይ ህልውና መሪር ተጋድሎ ከነካይድ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ዘላቂ ተፃብኦ ጠጠው ብናይ ምባል ውዕል ተኸቲሙ፣ ኣብ ክሊ እቲ ውዕል ኮይንና ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ እናካየድና ምዃንና ኩሉ ዝርድኦ’ዩ ። ምእንተ ዘላቂ ሰላም ክበሃል ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ እንከይተረጋገፀ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ኮነ ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ዘሎ ህዝብና ንምግላፁ ዝድንፁ ህይወት እናሕለፈ፣ ከም ህዝቢ ተወሰኽቲ ዋጋ እናኸፈልና’ውን እንተኾነ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክፍፀም ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ እናፈፀምና ንርከብ።

እንተኾነ ሓደ ሓደ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ሚድያታትን ናይ ክልል ኣምሓራ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ሕገ መንግስቲ እታ ሃገርን ውዕል ፕሪቶሪያ ብዝፃባእን ብዝጥሕስን ኣገባብ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ግዝኣት ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ተገይሩ ተደጋገምቲ መልእኽታት ክሓልፍ እናተገብረ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራሕ ካብ ዝተመሓላለፉ ንምጥቃስ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲንግ ኣምሓራን ብ08 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም “የተከዜ ትውልድ የተከዜ ዘብነቱን በተግባር ማሳየት ይጠበቅበታል!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፣ ሑመራ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ገይሮም ብምቕራብ ብግልፂ ንውዕል ፕሪቶሪያ ዝፃባእን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝጥሕስን ኣዝዩ ሓደገኛ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም። ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ብወገኑ ብ01 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘቃልሖ ዜና፣ ክልተ ዞባታት ኣምሓራ ማለት’ውን ጎንደር-ሑመራ ዘራኽብ ፕሮጀክት መንገዲ ይፅገን ምህላዉ ብምግላፅ፣ ሑሞራ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሩ ብምቕራብ ተመሳሳሊ ሓደገኛ ዜና ሒዙ ወፂኡ እዩ።

ብተዛማዲ ብ20 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከተማ ጎንደር ንምልማዕ ብዝብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሻራተን ኣዲስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተሳለጠ እቶት መተኣኻኸቢ ቴሌቶን ብስም ወልቃይ ፀገዴ ሰቲት ሑሞራ ወፈያ ከምዝተበርከተ ብቐጥታ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ብምትሕልላፍ፤ እዚ እውን ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ጌርካ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተገብረ ውዲት እዩ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ንውዕል ፕሪቶሪያ ዝጥሕስን ንዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ዝጎድእን ግጭት ክደግስ ዘኽእል ብሕታዊ ጉዳይን ኣዝዩ ሓደገኛ ተግባርን እዩ። ካቤነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዚ ተግባር ብትሪ እናኾነነ፣ እዚ ብወገን ትካላት ሚድያን ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝግበሩ ዘለው ሓደገኛን ተደጋገምትን ሽርሕታት ንማሕበራዊ ስኒትን ሕውነትን ኽልቲኡህዝብታት ዝጎድእ ብምዃኑ ካብ ዘይግቡእን ውዕል ፕሪቶርያ ዝጻባእን ተግባሮም ክዕቀቡን ንፅውዕ። ፌዴራል መንግስቲ ‘ውን እዚ ጉዳይ ኣፃርዩ መአርምታ ስጉምቲ ክወስድን ነባሪ ሰላም ኣብ ምስፋን ቁልፍ ተራ ዘለዎ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ንክፍፀም ግብኡ ክዋጻእን ፃውዕት ነቕርብ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
22 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading