Tag: #ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
-
ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ።

ህዝብን ግዝኣትን ትግራይ ብደጋዊ ሓይልታት ፅንተት ካብ ዝውረር ህዝብና ተፈናቓልን ስዱድን ኮይኑ ከምኡ እውን ኣብ ኢድ ወረርቲ ወዲቑ ኣብ ሓያሎ ስቓይ ክነብር ካብ ዝፍረዶ ዓመታት ሓሊፎም። ወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣታት ትግራይ ንክወፁ ተደጋጋሚ ፃውዒት እኳ እንተገበርና፡ ሰማዒ ስኢኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዕሊ ኣፍልጦ ዝተኸልኦ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን። ሐዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ገለ…
-
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ኣመልኪቱ ንዝበፅሖ ደብዳበ ዝሃቦ መልሲ።

ዋኒኑ፡ ኣማኻሪ ካውንስል ብዝምልከት ዘለና መርገፂ ምፍላጥ ይምልከት። ቤት ፅሕፈትኩም ብቁፅሪ 9/34/8/07 ናብ ውድብና ብዝለኣኽኩምልና ደብዳበ መሰረት ብቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅድም ክብል ዝፀደቐ ደንቢ ቁፅሪ 10/2016 መሰረት ካብ ውድብና ሽዱሽተ (6ተ) ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ኮይኖም ዝሳተፉ ብስሩዕ ደብዳበ ኣቢልኩም ሽም ዝርዝሮም ክንልእኽ ከም ዝሓትትኩምና ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ፃውዒት ድማ ውድብ ሳልሳይ…

