Category: Uncategorized
-
“ንትግራይ ዘግለለ ዛዕባ ትግራይ ብኣግኡ ክእረም ይግባእ” ሰሙናዊ መልአኽቲ ውዱብ ህወሓት

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተበፅሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ድምፂ ቶኽሲ ከብቅዕ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንዘላቒ ሰላም ባይታ ከንፅፍን ከመቻቹን ዕላማ ጌሩ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምዃኑ ኣብ ዓንቀፅ ሓደ ተቐሚጡ ይርከብ፡፡ ህዝቢ ትግራይን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን እውን ብመሰረት እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕን ዝፀንሐ ኣብ ሰላም ዘለዎም ዘይነቓነቕ ቅዋምን እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ዘላቒ ምቁራፅ…
-
ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ እስራኤል ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃባ ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ገሊፆም።

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ እስራኤል ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃባ ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ገሊፆም። ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ እስራኤል ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ምሃባ ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ብምግላፅ ኣሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ፀዊዑ ክብል ሆርን ዲፕሎማት ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፃቡ። ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ እስራኤል ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ…
-
“መስዋእቲ ዝኸፈልና ንምልእቲ ትግራይ እዩ!” ፃውዒት ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ።

ብ ዕለት 11 ሰነ 2017 ዓ/ም ዝጀመረ ሰልፊ ተመዛበልቲ ወገናት ሎሚ እውን ቀፂሉ እንትውዕል ብተሳትፎ ተምሃሮን ነበርቲ ከተማ መቐለ ደሚቑ ይካየድ ኣሎ። እቲ ሰልፊ ብተመሳሳሊ ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ እውን እናተኻየደ ይርከብ። ይኣክል! 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ብዝብል መሪሕ ጭርሖ እናቐፀለ ዘሎ እቲ ሰልፊ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብተኸታታሊ እናተኻየደ ይርከብ። ኣብቲ ሰልፊ እቶም ተመዛበልቲ ብስም…
-
“ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ይውፃእ! ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ሕዚ ይመለሱ!!” ካብ ውድብ ህወሓት ዝተውሃበ ሰሙናዊ መልአኽቲ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፍቕን ኣቑፂሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ህወሓት ኮነ ደላይ ሰላም ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ትፅቢት ዝገበረሉ ስምምዕ፤ ናብ ተግባር ብዘይምስግጋሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ መልክዑ ቀይሩ ሞት ፣ ስቓይን ሕሰምን ህዝብና ይቕፅል ኣሎ። ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ይርከብ ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር…
-
ኣቦ መንበር ወድብ ህወሓት ዶ.ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ህወሓት ናይ ሪፎርም ሰራሕቲ የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ልደት ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት፣ ወረዳታትን ዞባታትን ትግራይ 50 ዓመት ኣብ ቃልስን ፅንዓትን ዓወትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኸበረ ይርከብ። ኣብ ብሄራዊ ስታድየም ትግራይ ብዝተፈላዩ ምድላዋትን ምርኢታትን ተዓጂቡ ኣብ ዝተኻየደ ብዓል 11 ለካቲት ተረኺበን መልአኽቲ ዘመሓላለፋ ሓላፊት ቤትፅሕፈትን ኣባል ፈፃሚት ሰራሕ ውድብ…
-
ኮነሬል ኣብርሃ ብርዥዋ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ ለካቲት 11ምኽንያት ብምግባር ዝኽሪ ውግእ ምደምሳስ ኮር 604 ዝምልከት ንዑደተኛታት መናእሰይ ካብ ዝሃበዎ መብርሂ ዝተወሰደ።
ኮነሬል ኣብርሃ ብርዥዋ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ ለካቲት 11 ልደት ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ንዝተወከሉ ዕዶተኛታት መናእሰይ ኣብ1980 ዓ.ም ኮር 604 ሰራዊት ደርጊ እንተደምሰስ ዝነበረ ኩነታት ዝምልከት ዝሃብዎ መብርሂ።
-
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ኣመልኪቱ ንዝበፅሖ ደብዳበ ዝሃቦ መልሲ።

ዋኒኑ፡ ኣማኻሪ ካውንስል ብዝምልከት ዘለና መርገፂ ምፍላጥ ይምልከት። ቤት ፅሕፈትኩም ብቁፅሪ 9/34/8/07 ናብ ውድብና ብዝለኣኽኩምልና ደብዳበ መሰረት ብቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅድም ክብል ዝፀደቐ ደንቢ ቁፅሪ 10/2016 መሰረት ካብ ውድብና ሽዱሽተ (6ተ) ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ኮይኖም ዝሳተፉ ብስሩዕ ደብዳበ ኣቢልኩም ሽም ዝርዝሮም ክንልእኽ ከም ዝሓትትኩምና ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ፃውዒት ድማ ውድብ ሳልሳይ…
-
ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ኣትሌታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርት ከይሳተፍ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም።

ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ኣትሌታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት ከይሳተፍ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም። መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ብሙዃን ኣብዚ ዕለት መንበረ ስልጣኖም ብዕሊ ዝርከቡ ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ስፖርተኛታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት ከይሳተፉ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም። ፕረዚዳንት ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ፕረዚዳንታዊ ስልጣኖም ምስተረከቡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ናይ ደቂኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት…
-
ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ ኣካይዱ።

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ማሕበር ምድሓን ወሎዶ ትግራይን ብሓባር ንሙዃን ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዝበ ኣካይዶም። ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቦም መልአኽቲ ዘሕለፉ ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዳይሬክትሬት ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝኾኑ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ ኣብ ትግራይ ” ሰብኣዊ መሰል ዘኽበረ…


