ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ኣትሌታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርት ከይሳተፍ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም።

ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ኣትሌታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት ከይሳተፍ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም።

መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ብሙዃን ኣብዚ ዕለት መንበረ ስልጣኖም ብዕሊ ዝርከቡ ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ስፖርተኛታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት ከይሳተፉ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም። ፕረዚዳንት ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ፕረዚዳንታዊ ስልጣኖም ምስተረከቡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ናይ ደቂኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት ንምውፃእ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ሓቢሮም።

ዶናልድ ትራምፕ ቅድም ክብል ፆትኦም ዝቐየሩ ልዕሊ 15,000 ኣባላት ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ስርሖም ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ሰባት ተፈጥሮኣዊ ፆትኦም ክቕይሩ የብሎምን ኢሎም ዝኣምኑ ዶናልድ ትራምፕ ፆትኦም ዝቐየሩ ኣባላት ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ስርሖም ከምዝእግዱ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ተፎጥሮኣዊ ፆትኦም ዝቐየሩ ኣሜሪካውያን ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካ ከይኾኑ እገዳ ከምዘንብሩ እውን ተገሊፁ እዩ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዚ እገዳ ተግባራዊ ገይረሞ ዝነበሩ እንትኾኑ ነገር ግን ኣብ መረፃ 2020 ንትራምፕ ኣሸኒፎም ዝመፅኡ ጆ ባይደን እዚ እግድ ኣልዒለሞ ምንባሮም ይፍለጥ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading