ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ እስራኤል ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃባ ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ገሊፆም።
ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ እስራኤል ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ምሃባ ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ብምግላፅ ኣሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ፀዊዑ ክብል ሆርን ዲፕሎማት ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፃቡ።
ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ እስራኤል ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ “እስራኤል ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ምሃባ ብሓጎስ እቕበሎ፡ ኣመሪካ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት’ውን ነዚ ክስዕብ ተስፋ ይገብር” ክብሉ ኣረዲኦም።
እቶም ኣባል ኮንግረስ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ ንዲሞክራስያዊ ጥንካረ ሶማሊላንድ ኣጉሊሆም ብምጥቃስ እታ ሃገር ቅድሚ ሓደ ዓመት ብዘካየደቶ መረፃ ስልጣን ብሰላም ብምስግጋር ፖለቲካዊ ብስለታ ዘርኣየትን ዝሰርሕ ደሞክራሲ ዘለዋ ሃገር ምዃናን ብምግላፅ ድማ ኣፍልጦ ሃገርነት ንክወሃባ ብቑዕቲ ከምዝገብራ ጠቒሶም እዮም።
ብተወሳኺ እታ ሃገር ኣብ ወሰንቲ ኣህጉራዊ መራኸቢ መስመራት ዘላ ብሙዃናን ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኤደን ዝርከብ ወደብ በርበራ ዝሐዘት ሙዃናን ብምጥቃስ፡ ሶማሊላንድ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ከምዘለዋ እቶም ኮንግረስ ማን ገሊፆም እዮም።
ብዚ መሰረት ድማ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ሶማሊላንድን ወደብ በርበራን እታ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ዘለዋ ወሳኒ ተራ ከምዘረጋግፁ ትኹረት ሂቦም ምግላፆም መርበብ ሓበሬታ ሆርን ዲፕሎማት የመላኽት።
ይኹን ድኣ እምበር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንሶማሊላንድ ናይ ሃገርንት ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቦም ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ን ማዕኸን ዜና ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንምሃብ ከምዘይትሃፅፅ ብምግላፅ ኣብዚ ጉዳይ ቅድሚ ምውሳኖም ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ምስ ዘለዋ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾና ሃገራት ተወሳኺ መፅናዕቲ ንምክያድ ከምዝወሰኑ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃባ ስዒቡ ን ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ተቛውሞአን ምግላፀን ድማ ዝፍለጥ እዩ።



Leave a Reply