ዋኒኑ፡ ኣማኻሪ ካውንስል ብዝምልከት ዘለና መርገፂ ምፍላጥ ይምልከት።
ቤት ፅሕፈትኩም ብቁፅሪ 9/34/8/07 ናብ ውድብና ብዝለኣኽኩምልና ደብዳበ መሰረት ብቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅድም ክብል ዝፀደቐ ደንቢ ቁፅሪ 10/2016 መሰረት ካብ ውድብና ሽዱሽተ (6ተ) ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ኮይኖም ዝሳተፉ ብስሩዕ ደብዳበ ኣቢልኩም ሽም ዝርዝሮም ክንልእኽ ከም ዝሓትትኩምና ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ፃውዒት ድማ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብዚ ኣማኻሪ ካውንስል ብዛዕባ ዝህልወና ተሳትፎን ብሓፈሻ ድማ ኣብዚ ይጣየሽ ዘሎ ኣማኻሪ ካውንስል ዘለና መርገፂ ከም ዝስዕብ ክንገልፀልኩም ንፈቱ።
ከም ዝፍለጥ ስምምዕ ተፃብኦ ጠጠው ምባል ፕሪቶርያ ስዒቡ እቲ ዝነበረ ቤት ምኽሪን ንሱ ዝቖሞ መንግስትን ፈሪሱ ኣብ ክንድኡ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት ተገይሩ እዩ። እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ብካቢኔ ጥራሕ ዝተገደበ ክኸውን ስለዝተገበረ እቲ ዝነበረ ቤት ምኽሪ ምፍራሱ ስዒቡ ዝተፈጠረ ትካላዊ ሓጓፍ ዝመልእን ትግራይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጋደደ ይኸይድ ዘሎ ፀገማታ ንምፍታሕ ከም ሓደ መዋፅኦ ክኸውን ዘኽእል ትካል ማለት እውን ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክህልው ከም ኣንፈት ምርድዳእ ተበፂሑ ነይሩ እዩ። ነዚ ድማ 10 ኣባላት ዝሓዝ ኮሚቴ ማለት እውን 7ተ ካብ ውድባት ፖለቲካ፣ 1 ወኪል ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ 1 ወኪል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን 1 ወኪል ድማ ካብ ሲቪኽ ማሕበረሰብ ትግራይ ዝሓቖፈ ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ተጣይሹ ንከባቢ 3ተ ኣዋርሕ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኮሚቴ ካብ ስያም ጀሚሩ ክሳብ ተዋፅኦ፣ ተፀዋዕነት፣ ተግባርን ሓላፍነትን ትካላዊ ቅርፂ፣ ኮሚቴታት ወዘተ እቲ ዝጣየሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ዘትዩ ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ምርድዳእ ዝሓዝን ብኣባላት እቲ ኮሚቴ ዝፈረምሉ ብዓል 24 ገፅ ሰነድ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክበፅሕ ተገይሩ እዩ።
ይኹን እምበር ግዝያዊ ምምሕ እዚ ድሕሪ ነዊሕ ፃዕሪ ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉ ሰነድ ንጎኒ ብምግዳፍ ብፍላይ ድማ ምስ ተፀዋዕነት፣ ተዋፅኦ፣ ተግባርን ሓላፍነትን፣ ትካላዊ ቅርፂን ኮሚቴታትን እቲ ቤት ምኽሪ ዝምልከቱ ብፍላይ ድማ ምስ ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ምምላስ ተመዛበልትን ምርግጋፅ ፍትሕን ተሓታታይነትን ጄኖሳይድ ትግራይን ኣመልኪቱ ዝተረዳዳእናሎም ዓበይቲ ዛዕባታት ንፂጉ ባዕሉ ይጥቐመኒ እዩ ብዝበሎ መንገዲ እቲ ግዝያዊ ኣማኻሪ ካውንስል ብካቢኔኡ ኣቢሉ ሓጊጉ እዩ። እዚ ውድብና ዘይቕብሎ እንትኸውን ነዚ መርገፂና ምኽንያት ካብ ዝኾኑን ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘቕረብናዮም እቶም ኣውራ ነጥብታት ከም ዝስዕብ ብዝርዝር እንትንገልፅ ቀዲምኹም እርማት ንክትወስዱን ታሪኻዊ ስሕተት ከይትፍፅሙን ብምትሕስሳብን እዩ።
- ስያመ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ብዝምልከት
ኣብ ደንቢ ቁፅሪ 10/2016 ዓንቅፅ 2 (6) ከምኡ እውን ዓንቅፅ 6 ብግልፂ ከም ዝተደንገገ ስያመ እቲ ዝጣየሽ ትካል “ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ” ከም ዝኾነ እዩ። እዚ ስያመ ምርድዳእ ካብ ዝተበፀሐሉ “ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ” ዝተፈለየ እዩ። እዚ ድማ ትኽክል ዘይኮነን ዘይንቕበሎን እንትኸውን ነዚ ምኽንያት ድማ ክልተ ነጥብታተ ምጥቃስ ይከኣል። ቀዳማይ እቲ ጉዳይ ተራ ናይ ኣሰያይማ ጉዳይ ዘይኮነስ ቀፂሎም ምስ ዝተገለፁ ነጥብታት ኣተሓሒዘካ እንትርአ እቲ ካውንስል ብትሕዝቶኡ፣ ብተዋፅኦ ተሳተፍቲ ኣባላት፣ ብተፀዋዕነቱ፣ ብዘለዎ ተግባርን ሓላፍነትን፣ ብትካላዊ ቅርፁን ወዘተ ስኒ ዘይብሉን ብዝተኸኣል መጠን ንፈፀምቲ ስራሕ መንግስቲ ግቡእ ናይ ክትትልን ቁፅፅርን ስራሕቲ ክስርሕ ዘይኽእል ናይ ይምሰል ትካል ከምዝኾነ ብግልፂ ስለዝሕብር እዩ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ፡ ሓደ መንግስቲ እየ ዝብል ኣካል ኣማኸርቲ እንተደልዩ ባዕሉ ከማኽርዎ ዝደልዮም ሰብ ሞያ ይቖፅር እምበር ተናሓነሕቲ ውድባት ናይ መንግስቲ/ምምሕዳር ኣማኸርቲ ዝኾንሉ መስርሕ ስለዘየለን ትኽክል እውን ስለዘይኮነ እዩ። - ተዋፅኦ ብዝምልከት
ብመሰረት ቅድም ክብል ኣብቲ መጣየሺ ኮሚቴ ዝነበረ ምርድዳእ ተዋፅኦ ኣባላት ብዝምልከት ካብ ውድባት ፖለቲካ፣ ካብ ሲቭል ማሕበረሰብ፣ ካብ ብሄረሰባት፣ ካብ ሰራዊት፣ ካብ ተፈናቐልቲን ካብ ህዝቢ ዝወከሉን ዝብል እዩ ነይሩ። ኣብ ክሊ እዙይ ኩለን ዝሳተፋ ውድባት ማዕረ ውክልና ክሀልወን ዝብል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ ዓንቀፅ 7 እቲ ደንቢ ከም ዝተገለፀ ውክልና ውድባት ብዝምልከት ህወሓት 48 (38 ከካብ መረፃ ጣብያ ዝውከሉ 38 ኣባላት ሓዊስካ)፣ 3ተ ውድባት ሕድሕድን 6ተ ክልተ ውድባት ድማ ሕድሕደን 3 ተወከልቲ ክህልውወን ይብል። እዚ ኣስራርሓ ማዕርነት ውድባት ፖለቲካ ዘየኽብርን ምልኪ ሓደ ውድብ ዝቐፅልን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ እቲ ካውንስል ብሓደ ውድብ ንክዕብለል ዝገብር እዩ። ብተውሳኺ ድማ ኣብዚ ዓንቀፅ ውዳበ ዘይብሎም ማለት እውን ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝነብሩ ተጋሩ (3 ሰብ)፣ ካብ ዳያስፖራ ተጋሩን (3 ሰብ) ካብ ተፈለጥቲ ሰባት ድማ 4 ሰብ ክውከሉ ይብል። እዚ መስርሕ ውክልና ምሰቲ ቅድም ክብል በቲ ኮሚቴ ምርድዳእ ዝተበፅሓሉ ዝፃባእ ካብ ምኻኑ ብተወሳኺ ብዘይውዳበ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ (ህወሓት) ደስ ዝበሎ ሰብ ንክስሕብን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብቲ ዘለዎ 48 ሰባት ተወሰኸቲ 10 ሰባት ብድምሩ ካብቶም ቁፅሮም 105 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ካውንስል ልዕሊ ፍርቂ (58 ኣባላት) ካብ ሓደ ውድብ ክኽውን ዝገብር ስለዝኾነ ቅቡልንት የብሉን። - ተፀዋዕነትን ዕድመ እቲ ካውንስል ብዝምልከት
ተሳተፈቲ መጣየሺ ኮሚቴ ዝተሰማማዕሉ ተፀዋዕነት እቲ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ <<ንሕልና፣ ንሕጊን ንህዝቢ ትግራይን>> ዝብል እንተነበረ’ኳ ኣብቲ ደንቢ ግና <<ንሕልና፣ ንሕጊ፣ ንህዝቢ ትግራይን ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን>> ብዝብል ክኸውን ተገይሩ እዩ። እዚ ከይኣክል ዕድመ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ዕድመ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክኸውን ምርድዳኣ ተበፂሕሉ እናሃለወ ኣብ ዓንቀፅ 25 እቲ ደንቢ <<ብተበግሶ እቲ ፕረዝደንት እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ክብተን ይኽእል>> ብዝብል ብግልፂ ተደንጊጉ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ፕረዝደንት ብመስርሕ ተፀዋዕነት ነቲ ካውንስል ብምጥቃም እቲ ካውንስል መገልገላይ እቲ ፕረዝደንት ክኸውን ምግባርን እዚ እንተዘይተሳኺዑ ድማ እቲ ካውንስል ክብተን ምግባር ዝብል ቀይናን ኣተሓሳሰባ ዘመላኽት ስለዝኾነ ቅቡልነት የብሉን። - ተግባርን ሓላፍነትን
እዚ ጉዳይ ወሳኒ ነጥቢን ብቲ ኮሚቴ እውን ስፊሕ ክትዕ ዝተገበረሉ እንትኸውን ኣብ መወዳእታ በቲ ኮሚቴ ምርድዳእ ዝተበፅሓሉ ድማ እቲ ካውንስል ዝውስንን ዝቆፃፀርን ኮይኑ ከከም ኣግባብነቱ ናይቲ ዝነበረ ቤት ምኽሪ ተግባርን ሓላፍንትን ተኪኡ ዝሰርሕ ትካል ኮይኑ ክጣየሽ ይግባእ ዝብል እዩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ዝፀደቐ ደንቢ ኣብ ዓንቀፅ 12 (1-9) ተግባርን ሓላፍነትን ተባሂሎም ካብ ዝተዘርዘሩ ብርክት ዝበሉ ነጥብታት ዳርጋ መብዛሕቲኦም ዝውስንን ዝቆፃፀርን ዘይኮነስ <<ናይ ውሳነ ሓሳብ ይህብ፣ ሪኢቶ ይህብ፣ መፍትሒታት ይሕብር፣ ኣንፈታተ ይንፅር፣ ምኽረ-ሓሳበ የቕርብ>> ወዘተ ብዝብሉ ቁሩናት ኣገላልፃታት ክድንገግ ተገይሩ እዩ። ብፍላይ ድማ እዞም ናይ ምውሳንን ምቁፅፃርን ገደባት



Leave a Reply