“መስዋእቲ ዝኸፈልና ንምልእቲ ትግራይ እዩ!” ፃውዒት ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ።

ብ ዕለት 11 ሰነ 2017 ዓ/ም ዝጀመረ ሰልፊ ተመዛበልቲ ወገናት ሎሚ እውን ቀፂሉ እንትውዕል ብተሳትፎ ተምሃሮን ነበርቲ ከተማ መቐለ ደሚቑ ይካየድ ኣሎ። እቲ ሰልፊ ብተመሳሳሊ ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ እውን እናተኻየደ ይርከብ። ይኣክል! 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ብዝብል መሪሕ ጭርሖ እናቐፀለ ዘሎ እቲ ሰልፊ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብተኸታታሊ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ ሰልፊ እቶም ተመዛበልቲ ብስም ሰማእታት ትግራይ ናብ መረበትና መልሱና! ፣ መስዋእቲ ዝኸፈልና ንምልእቲ ትግራይ እዩ! ሓሪስና ክንበልዕ ናብ መረበትና መልሱና! ፣ ሬሳታት እናቖፀርና ምንባር ይኣክል! ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ሰልፍታቶም እናቐፀሉ ይርከቡ።

ኣብቲ ሰልፊ ምክትል ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ከምኡ እውን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣርቲስታት ተረኺቦም እዮም። ኣብቲ ሰልፊ መልአኽቲ ዘመሓላለፈ ምክትል ኣቦ መንበር ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ዶክተር ሙዕዝ በርሀ ከምዝገለፅዎ ድማ ከባቢ 2 ሚልዮን ዝኾን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ልክዕ ከም ኩርዳውያን ናብ ኣርባዕተ ተኸፊሉ ገሊኦም ናብ ሰዳን ገሊኦም ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ገሊኦም ኣብ ኬንዳታት ተበታቲኑ ይርከብ ክብሉ ኣረዲኦም።

ዶ/ር ሙዕዝ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን እዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብ ስራሕ ክፍተት ፖለቲካዊ መሪሕነት እናመዝመዙ ኣብ ጥቕሞም ናይ ምውዓል ተግባር ብዝኸፍአን ብዘተሓሳስብን መልክዑ ኣጠናኺሮም እናቐፀልሉ ይርከቡ ዝበሉ እንትኾን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣምሓራ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ክወሃበኩም እዩ እናበለ ናብ ካባብታት ምዕራብ ትግራይ “ዘብዒ ተከዘ” ብዝብል ምንቅስቓስ ወታድራዊ ስልጠና፣ ዕጥቂ፣ መንበሪ ገዛን መሬት ሕርሻን እናዓደለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቅርሕትን ዘይዛሪ ህልቂትን ክፍጠር ብዕቱብ እናሰርሐ ይርከብ ክብል ገሊፁ።

ዶ/ር ሙዕዝ በርሀ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝበላ ትካላት ፌደራል እውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ዘረከባ ኣብያተ ትምህርቲ “ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን” ጠርኒፈን ኢ-ሕገመንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣምሓራዊ መንነት ኣላቢሰንአን ይርከባ ክብሉ ዝገለፁ እንትኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብህፁፅ መፍትሒ ከምፅእን ተመዛበቲን ናብ መረበቶም ካብምምላስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ካብምውሓስን ወፃኢ ካልእ ኣጀንዳ ክህልዎ ኣይግባእን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ወኪሎም መልአኽቲ ዘመሓላለፉ ምክትል ፕረዚዳንት ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ብወገኖም ሕብረትናን ሓድነትናን እንትሰጥም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለዉ ኩሎም ሓይልታት ይፈርሑና ይደልዩናን የኽብሩናን ብኣንፃሩ እንትንኸውን ድማ ይንዕቑና ይደፍሩናን ይወሩናን ስለዚ ሐዚ እውን እቶ ቁልፊ ጉዳይ ኣብ ውሽጥና እዩ ዘሎ ክብሉ ሓቢሮም።

ኣይተ ኣማንኤል ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ንድምፂ ህዝቢ ትግራይ ኣዝኒ ሂቦም ክሰምዑን ንሰላም ዋጋ ሂቦም ክሰርሑን ፀዊዕም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ወረረቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት ትግራይ ከውፅእን፣ ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ክፈርሱን፣ ሓደሽቲ ሰፈርቲ ናብ ዝመፅእሉ ከባቢ ክመልስን ተምዛብልቲ ድሕንነቶም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ክምልስን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ፌድራል መንግስቲ ተቐራሪቡ ክሰርሕ ከምኡ እውን ንመላእ ህዝቢ ኣተሓባቢሩ ከምዝቃለስ ኣይተ ኣማንኤል ኣፍሊጦም።

ኣብ መወዳእታ ኣይተ ኣማንኤል ኩሎም ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርግጋፅ ክሉ ዓይነት ፃዕሪ ክግበር እዩ እንትንብል ብሰላማዊ መንገዲ ኣንተዘይተፈቲሑ ክብርን ልኣላዊን መሬት ትግራይ ተደፊሩን ተወሪሩን ክተርፍ እዩ ማለት ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading