በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብቴሌቪዥን ኢቢስ (EBS) ዝመሓላለፍ “ኣዲስ ምዕራፍ” ዝተብሃለ መደብ ክእገድ ምምሕዳራዊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። እዚ መደብ ታኣጊዱ ክፀንሕ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድማ ብ 14 መጋቢት 2017 ዓ.ም ብዝፈነዎ ሰነዳዊ ፊልም (ዶክመንተሪ) ምኽንያት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
እቲ መደብ ተኣጊዱ ክፀንሕ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ብዕለት 14 መጋቢት 2017 ዓ.ም ብርቱካን ተመስገን ዝተብሃለት ባዓልቲ ዛንታ ብቲ መደብ ኣብ ዝተፈነወ ዶክመንተሪ ብ2013 ዓ.ም ካልኣይ ዓመት ተምሃሪት ዩኒቨርስቲ እናሃለወት ብውልቀሰባት ተጨውያ ከምዝተደፈረት ዝገለፅትሉ ሰነዳዊ ፊልም ምፍናዉ ስዒቡ እዩ። ብርቱካን ብ2013 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ዴንቢ ዶሎ ዩኒቨርስቲ ምሸት ካብ ላይብረሪ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ረብሻ ተላዒሉ ካብ ውሽጥን ደገን ተኽሲ ከምዝነበረ ገሊፃ “ቀልጢፍኩም ኣምልጡ” ብምባል ንዕኣ ሓዊሱ ካልኦት ደቂ ኣነስትዮ ናብ መኪና ብምእታው ናብ ጫካ ከምዝወሰዱወን ገሊፃ ነይራ።
ኣብቲ ዶኮመንተሪ “ወታሃድራዊ ክዳን ዝተኸደኑ ዕጡቓት ገፆም ተሸፊንም ዝተወሰነ ርሕቐት ብመኪና ከምዝወሰዱዎን” ዝገለፀት ብርቱኳን ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ መኪና ጉዕዞ “ካብዚ ንድሓር መኪና ስለ ዘይትኣትዎ ብእግርና ኢና ክንኸድ” ከምዝበሉወን ብምግላፅ ኣድካሚ ናይ ሽዱሽተ ስዓት ጉዕዞ ከምዝተጉዓዛ ዝገለፀትሉ ዶክመንተሪ ነይሩ።
ድሕሪ እዚ እቶም ዕጡቓት “ዝደለናክን ንስልጠና እዩ ኣብዚ ምሳና ኢኽን ክትኾና ” ኢሎም ኣብቲ ጫካ ከምዘቐመጥዎን ዝገለፀት እንትኾን እቲ ዝነበራሉ ኩነታት እንትትገለፅ ድማ “ናይ መከራ እዋን እዩ ነይሩ ዝብላዕ ዝስተን ንምርካብ ኣፀጋሚ ከምዝነበረ ማይ ፍልፍል ማይ ወይ ውሓዚ ሩባ እንትረኽባ ብኽዳነን እናፀሞቓ ይሰትያ ከምዝነበራ” ተረድእ።
ድሕሪ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን “ንኹሉና ኣሰሊፎም ብኣሰቃቒ ጭካነ እናተባረዩ ደፊሮምና ድሕሪኡ ድማ ሰብነተይ ደንዚዙ” ክትብል ዘረድአት እንትትኸውን “ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ እንትትነቅሕ ደም ይፈሳ ከምዝነበረ ፣ ፅባሕ ህይወተይ ክቕየር እዩ ፣ ፅባሕ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ክበፅሕ እየ ኢለ ዝሓስብ ዝነበርኩ ቖልዓ ከምዚ ከይነ ንባዕለይ እንትረኽቦ ብጣዕሚ ከፊኡኒ ኣይዞኺ ዝብለኒ ሰብ የብለይን ኣብ መወዳእታ ጎደና ሓዳሪት ኮይነ” ክትብል እያ ብንብዓት ዝታዓጀበ ንቡዝሓት ዘደንገፀ ዛንትኣ ዘረድአት። ነዚ ዛንታ EBS ቴሌቭዥን ድሕሪ ምፍናው ንቡዝሓት ዘቖጥዐን ንቡዝሓት ዘሕዘነን እንትኾን EBS ድሕሪ እቲ መደብ ምምሕልላፉ ካብ ስርጭት ክወርድ ተገይሩ ነይሩ እዩ ።
ዴንቢ ዶሎ ዩኒቨርስቲ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ብርቱኳን ተምሃሪት እቲ ዩኒቨርስቲ ከምዘይነበረት ብምግላፅ ብርቱኳን በፂሑኒ ክተብል ዝገለፀቶ ዛንትኣ “ሓሶት” እዩ ብምባል ብቑልጡፍ ተቓውሞኡ ገሊፁ እዩ።
ብተወሳኺ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ (EMA) ብዕለት 23 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ድማ ብ EBS ቴሌቭዥን ዝቐረበ መደብ ኣብ ናይ ሓሶት መረዳእታ ዝተመሰረተ ፣ ህዝቢ ዘስሓሕትን ምጥርጣር ዝፈጥርን ፣ ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣዋጅ 1238/2013 ዝጥሕስን ከምኡ እውን ናይ ጋዜጠኝነት ሞያዊ ስነ-ምግባርን መደበኛ ናይ ጋዜጠኝነት ኣሰራርሓን ዝጥሕስ ናይ ፓራጆርናሊዝም ኣሰራርሓ ዝተኸተለ ኣሰራርሓ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ ክብል ዝገለፀ እንትኾን እቲ ቴሌቭዥን ጣብያ እውን ብዛዕባ እቲ ዶክመንተሪ ተሓቲቱ ንቲ በዓል መዚ ኣብዝሃቦ መልሲ “ሓሶት ከምዝኾን ስሕተት ከምዝሰርሐን ገሊፁ እዩ ክብል ሓቢሩ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ በዓል መዚ ኣብቲ ጉዳይ ምርመራ ኣካይዱ በቲ ቴሌቪዥን ጣብያ ዝመሓላለፍ “ኣዲስ ምዕራፍ” ዝተብሃለ መደብ ኣብ ኢዲቶርያል መምርሒኡ ኣድላዪ እርማት ወሲዱ ክሳብ ዘፍልጥን ተራእዩ ወሳነ ክሳብ ዝዋሃበሉን እቲ መደብ ብመሰረት ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣዋጅ ካብ ፈነወ ተኣጊዱ ክፀንሕ ከምዝተወሰነን ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ከም ዝተውሃቦን ኣፍሊጡ።
ምስ እቲ ሰነዳዊ ፊልም (ዶክመንተሪ) ፊልም ብዝተትሓሓዘ ንብርቱኳን ሓዊሱ ብዙሓት ሰራሕተኛታት EBS TV ብ ሽብር ወንጀል ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓሉ ዝተገለፀ እንትኾን 23 መጋቢት 2017 ዓ.ም ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቦም ፖሊስ 14 መዓልቲ ናይ መፃረዪ ግዜ ሓቲቱ ከምዝተውሃበን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ከምዘሎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።



Leave a Reply