ፅልዋታት ምቁራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዜጋታትን ኣብ ቅልውላው ዘላ ኢትዮጵያን።

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኖም ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ብዙሓት ውሳነታት እናመሓላለፉ ይርከቡ ካብኣቶም ሓደ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፅኦም ጀሚሮም ብተደጋጋሚ ቃል ካብ ዝኣተውሎም ዛዕባታት ሓደ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ምብራር እዩ። እዚ ድማ ብተግባር ሕጋዊ ሰነድ ወይ እውን ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ካብታ ሃገር ናይ ምውፃእ ሰራሕቲ እናተኻየደ ይርከብ። በዚ ድማ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣቲዮም ይርከቡ። ብተወሳኺ ኣሜሪካ እትህቦም ሓገዛት ን90 መዓልትታት ጠጠው ክብሉ ምውሳኖም እዩ። እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝፈጥሮ ተፅዕኖ ከምዘሎ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ፀገም ዝበኣሰ እዩ።

ኣሜሪካ ኣብ 2024 ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ጥራሕ1.2 ቢልዮን ዶላር ድጋፍ ከምዝገበረት ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ይሕብሩ። ብፍላይ ድማ ምቁራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልትን ብኲናት ዝተሃሰዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ሓደጋ ከምዘሎ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ፅንተታዊ ኲናት ተኻይዱላ ኩሉ ዕቑር ሃፍትታታ ዓንዮምን ተዘሪፎምን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ ኬንዳ ዝነብሩላ ትግራይ፤ ዝፈጥሮ ፀገም ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዝተኻየደ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ኩሎም ናይ ጥዕና ትካላት ኣብ ዝዓነዋሉ ፣ተመዛበልቲ ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ጥምየትን እናሞቱ ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት እታ ዝነበረት ውስንቲ ድጋፍ እውን ክትቋረፅ ከላ ዝፈጥሮ ፀገም ንምግማቱ ዝኸብድ ኣይኮነን።

ብርግፅ እዚ ናይ 90 መዓልቲ ኣሜሪካ ናብ ወፃኢ ሃገራት እትገብሮ ሓገዝ ጠጠው ዝበለሉ ምኽንያት ምስ ናይ ኣሜሪካ ረብሓታት ዝተጥዓዓሙ ምዃኖም ንምግምጋም ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ። ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ ገምጋም ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝኽተሉዎ ፖሊሲ እንታይ ክኾን ይኽእል ዝብል ናይ ብዙሓት ትፅቢት ኮይኑ ይርከብ። ድሕሪ 90 መዓልቲ ኸ ደጋፋት ኣሜሪካ ከምዝነበሮ ዝቕፅለሉ ኩነታት ይህሉ ዶ ይኾን? ናይ ቡዝሓት ሕቶ ኮይኑ ይርከብ። እንተ ጉዳይ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ይኹን ካልኦት ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሻዕብያ ካብ ዘለው ከባብታት ዝተመዛበሉን ግን ሕዚ እውን ብዘይ መፍትሒ እናቐፀለ ይርከብ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading