ኣብ ምንዋሕ ጊዜ ገደብን ሙሻም ሓዱሽ ፕረዚደንትን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድሂቡ ካብ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ።
ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተጣየሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክዓዮም ካብ ዝተወሃብዎ ዓበይቲ ተግባራት ሓደ ‘ ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከቢድ ስቃይን መከራን ኣብ ምሕላፍ ዝርከቡ ህዝብና ብዘይ ምንም ቅድመ-ኩነት ውሑስን ቁልጡፍን ብዝኾነ መንገዲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር እዩ።
ይኹን እምበር ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ደቡብ ትግሪ-ይን ሰሜን ምዕራብ ትግሪ-ይን ካብ ዝተገበረ ዘይዕዉት ፈተነ ወፃኢ መብዛሕቲኡ ህዝብና ኣብ መዕቆቢ ተፈናቐልትን መዕቆቢ ስደተኛታትን ከምኡ እውን መርየትናን ቁፅሩ ዘይነዓቕ ህዝብናን ድማ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ይርከብ።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ይመርሕ ዝነበረ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝተተከአ ብዕሊ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ዋና ቁም-ነገር ግን መን መዞ መን ኸደ ዘይኮነስ መን መላእ ህዝቡን መንግስታዊ መሓውሩን ኣለዓዒሉ ቀዳማይ ህዝባዊ ኣጀንዳ ተግባራዊ ገበረ እዩ።
በዚ መመዘኒ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክመርሕ ዝፀነሐ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳርትግራይ ብዙሓት ለውጥታት እኳ ከተግብር ተምከረ ፤ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ናብ ንቡርኣብ ምምላስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብቲ ቅድሚ 2013 ዓ/ም ዝነበረ ኣብ ምምላስ ዝተፈተነ ስራሕ ግን ዕውት ኣይነበረን።
ሰለዝኾነ ሓዱሽ ዝተሽሙ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሕሉፍ ጥንኩር ጎንታት ብምዕቃብ ድኹማት ጎንታት ድማ ኣዕኒዕኻ ብምስትኽኻል ዝተበደለ ህዝብና ኣብ ምኽሓስ ኣድምዮም ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር።
ብፍላይ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ካብ መዕበዓታት ዝሓለፈ ተግባራዊ ስራሕ ይጠልብ ኣሎ። በዚ መሰረት ቀዳማይ ኣጀንዳን ዕማምን ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጀሚሮም ዝተኾለፉን መሊኦም ዘይተጀመሩን ምምላስ ተመዛበልቲ ክጅመርን ክሳብ መፈፀምትኡ ተጠናኺሩ ክቕፅልን ፅላል – ሲማምት ትፅውዕ። ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ህዝብና ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ፉሉይ ቆላሕታን ሓገዝን ይድሊ ብምህላው ብፉሉይ ቆላሕታን ሓዘን ክግበረሉ ይግባእ።
ኣብቲ ዝጣየሽ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ተመዛበልቲ ብፉሉይ ኮታ ክውከሉን ተመዛበልትን ስደተኛታትን ዝጥምት ኣካል ክዋቐርን ኣጥቢቕና ንሓትት።
ኣብ መወዳእታ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሕሉፍ ትምህርቲ ብምቅሳም ዘይውዕሉን ዘይሓድሩን ፀገማት መላእ ህዝቢ ትግራይን ተመዛበልትን ክፈትሑ ዓብይ ተስፋ እናሕደርና፤ ኣብዘን ቀዳሞት ኣጀንዳታት ህዝብና ሓቢርናዮም ከምንሰርሕን ከምእንሕግዝን እናፍለጥና ፅቡቕ ናይ ስራሕ ዘመን ክኾነሎም ንምነ።



Leave a Reply