ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ አብ ወረዳታት ጉለምኸዳ ፣ክልተ ኣውላዕሎ፣ፅራእ ወንበርታ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ሓውዜን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ዞባ ዝርከቡ ተመዛበልትን ነበርትን ኣብቲ ሰልፊ እናተሳተፉ ይርከቡ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ዞባ ማእኸል ፣ ዓድዋ ፣ እንትጮ፣ኣክሱምን ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ዓብዪ ዓዲ ፣ጣንቋ ምላሽን ኣብቲ ኸባቢ ተዓቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዝተሳተፉሉ ሰለማዊ ሰልፊ እናተኻየደ ከምዝርከብ ካብ ፍልፍላትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
እቶም ሰልፈኛታት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብህፁፅ ክትግበር ከም ዘለዎ ፣ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዘሎ ህዝብናን ሉኣላዊ መሬትናን ብህፁፅ ሓራ ክወፅእ ፣ተመዛበልትን ኣብ ስደት ዝርከቡ ወገናትናን ውሕስንኦም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ብህፁፅ ክምለሱን ውሳነታት ላዕሎዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ብህፁፅ ተግባራዊ ክኸውን ዝሓቱ ጭርሖታት ብምሓዝ ሰልፍታቶም እናካየዱ ይረከቡ።
ብተመሳሳሊ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ፣ ወረዳ ታ/ኣድያቦን ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ድሙቅ ህዝባዊ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብ ሓበሬታን ርክብን ከተማ ሸራሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብቲ ሰልፊ ፥ ውሳነታት ስራዊት ትግራይ ፣ ውድብና ህወሓት ፣ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ ብህፁፅ ይተግበር ፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብህፁፅ ይመዓራረ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብህፁፅ ይተግበር፣ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዘሎ ህዝብናን ሉኣላዊ መሬትናን ብህፁፅ ሓራ ይውፅኡ፣ ተመዛበልትናን ዝተሰደዱ ወገናትናን ውሕስነኦም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ብህፁፅ ይመለሱ፣ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብና ብህፁፅ ይመለስን ንናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ፍፁም ኣይንቕበልን ዝብሉ ጭርሖታት ብምግዋሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብቲ ሰልፊ ተረኪቦም መልእክቲ ዘሕለፉ ከንቲባ ከተማ ሸራሮ መም/ር ሙሉ ብርሃነ ከምዝበልዎ ህዝቢ ትግራይ ብናይ መስዋእቲ ደቁ ዘምፀኦ ናይ ሰላም ተስፋን ውዕል ፕሪቶርያን ከይትግባር ካብ ጎኒ ህወሓት ዝወፀ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ንህወሓት ንምጥፋእን ካብ ዝሰርሕ ፀኒሑ እዩ ድሕሪ ምባል እዚ ናይ ሎሚ ሰልፊ ድማ ዕላምኡ ውሳነታት ብሄራዊ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ፣ ስራዊት ትግራይ ፣ውድብ ህወሓት ብህፁፅ ይተግበር፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብህፁፅ ይመዓራረ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር፣ ተመዛበልትና ውሕስነኦም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ኣይንቕበልን ዝብሉ ብቅልጡፍ ክትግበሩ ዝፅውዕ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ሰልፊ ተረኪቦም ንህዝቢ ወረዳ ታ/ኣድያቦ፣ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ከተማ ሸራሮን ወኪሎም ዝተዛረቡ ተሳተፈብወገኖም ንህዝቢ ትግራይ ጠሊሙ ናብ ውልቃዊ ንሕንሕ ኣትዮ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ ክሰርሖ ዝግባኦ ስርሑ ብዘይ ምስርሑ እዩ ህዝብና ዳግም ናብ ሓደጋ ወዲቑ ፣ ሰለዚ ስራዊትና ዝወሰኖ ውሳነ ብህፁፅ ክትግበርን ግዝያዊ ምምሕዳር ብዘይወዓል ሕደር ክመዓራርን ፣ንሕና ኣብ ጎኒ ውሳነታት ሰራዊትና፣ ውድብናን ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይን ጠጠው ብምባል ንተፈፃምነቱ ንስርሕ ምኳና እናገለፅና ሕዚ እውን ውዕል ፕሪቶሪያ ብምትግባር ረባሓታት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ ንክፍፀም ከምዝፀውዑ ሓበሬታን ርክብን ከተማ ሸራሮ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት።
ካብ ምስልታት ሰለማዊ ሰልፊ ከተማ መቐለ ዝተወሰደ….

ካብ ምስልታት ሰላማዊ ስልፊ ሽረ እንዳስላሰ ዝተወሰደ..

ካብ ምስለታት ሰላማዊ ሰልፊ ከተማ ዓድዋ ዝተወሰደ….

ካብ ምስልታት ሰለማዊ ሰልፊ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝተወሰደ….

ካብ ምስልታት ሰለማዊ ሰልፊ ከተማ እንትጮ ዝተወሰደ…

ካብ ምስልታት ሰለማዊ ሰልፊ ከተማ ዓድግራት ዝተወሰደ….

ብሓፈሻ ኣብ ኩለን ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ጠንካራ መልአኽትታት ዝተመሓላለፉሉ ሰልፍታት ተኻይዶም።



Leave a Reply