Tag: #ወሳነታት ሰራዊት ትግራይ
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ብነበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝቐረቡ ክስታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መብርሂ።

“ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓረ ይፎክስ” ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ፅንተት ኵናት ብዘላቒ ቶኽሲ ደው ምስበለ (ስሞምዕነት ፕሪቶርያ ) ጠጠው ምስበለ ፤ ድምፂ ጥይት ጠፊኡ ፤ ተነፃፃሪ ሰላም ሰፊኑ ፤ መንግስታዊ ግልጋሎታት ስረሖም ምስጀመሩ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ንሰላም ዝነበሮም ባህጊ ብተግባር ብምግላፅ ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክርባረቡ እዮም ፀኒሖም ። ይኹን ‘ምበር <እቲ ሓደ ብገርሁ እቲ ሓደ…
-
ውሳነታት ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይን ፣ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ናብ ተግባር ይሰጋገር ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዞባን ወረዳታትን ትግራይ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ አብ ወረዳታት ጉለምኸዳ ፣ክልተ ኣውላዕሎ፣ፅራእ ወንበርታ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ሓውዜን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ዞባ ዝርከቡ ተመዛበልትን ነበርትን ኣብቲ ሰልፊ እናተሳተፉ ይርከቡ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ዞባ ማእኸል ፣ ዓድዋ ፣ እንትጮ፣ኣክሱምን ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ዓብዪ ዓዲ ፣ጣንቋ ምላሽን ኣብቲ ኸባቢ ተዓቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዝተሳተፉሉ…

