“ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓረ ይፎክስ”
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ፅንተት ኵናት ብዘላቒ ቶኽሲ ደው ምስበለ (ስሞምዕነት ፕሪቶርያ ) ጠጠው ምስበለ ፤ ድምፂ ጥይት ጠፊኡ ፤ ተነፃፃሪ ሰላም ሰፊኑ ፤ መንግስታዊ ግልጋሎታት ስረሖም ምስጀመሩ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ንሰላም ዝነበሮም ባህጊ ብተግባር ብምግላፅ ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክርባረቡ እዮም ፀኒሖም ።
ይኹን ‘ምበር <እቲ ሓደ ብገርሁ እቲ ሓደ ብጉርሑ > ከምዝባሃል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነቲ ደጊም ሰላም ኮይኑ እዩ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ክረጋገፅ እዩ ፤ ናብራና ‘ውን ብኡ ልክዕ ክማሓየሽ እዩ ኢሉ ዓብይ ተስፋ ጌሩ ዝነበረ ሓይሊ ፀጥታና ተስፍኡ ንምምካን ናብራ እቲ ሰራዊት ክባላሾ ፤ ክጠሚ ፣ ክዓርቕ ብምግባር ዋላ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይሳኸዐሉ ሰራዊት ኣብ ዓዱን መራሕቱን ተስፋ ቖሪፁ ክባታተን ስልጣኑ ዝፈቐደሉ ኩሉ ክገብር ፀኒሑ እዩ ። እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን ፤ ነገራት ንዘይ ምጉህሃር ኢልና ብስቕታ ሓሊፍናዮ ‘ምበር ምስ ናይ ደገ ሓይልታት እንዳተናበበ ኣብ ልዕሊ ትካልናን ኣዘዝቲ ሰራዊትናን ማእለያ ዘየብሎም ፀለመን ሓሶትን ምውዛዕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኸይኑ ‘ሎ ።
ነዚ እኹል መረጋገፂ ክኾነና ዝኽእል ነቲ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ከይተኸተለ ክእረን ክሽየጥን ዝኣዘዞ ፤ ስምብራት ኲናት ትግራይ ምዃኖም ዝገልፁ ፤ አብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግእ ትግራይ ዝተቓፀሉ ናይ ውግእ መሳርሒ ፤ በገዛ ፍቓዱ ፤ ስርዓት ብዘይተኸተለ መንገዲ ክላዓሉን ክስረቑን ኣዚዙ ከብቅዕ ጀኔራላት ትግራይ ከም ዝሰረቕዎን ከም ዘጠፋፍእዎን ጌሩ ሓድነት ሰራዊትናን ህዝብናን ንምብታን ዓሊሙ ዝተፈለለዩ ሚድያታት ተጠቒሙ ሰፊሕ ናይ ሓፂን መፂን ፖለቲካ ዘርጊሑ ክፀልም ከም ዝፀነሐ ንማንም ትግራዋይ ግልፂ እዩ ።
ቀፂሉ ‘ውን ኣመራርሓ ሰራዊትን ኣባላትን ክቐትሉኒ ትልሚ ሒዞም ነይሮም ፤ ንስክላ ወፅየ ፣ ካብ ሞት ኣምሊጠ ብዝብል ናይ ምህዞን ፀለመን ፖለቲካ ብናይ ማእኸል ሃገር ሚድያታትን ካልኦትን እንዳታዓጀበ ነዊሕ ናይ ሓሶት ርሕቐት ክኸድ ፀኒሑ እዩ ። እንተዀነ ግን እቲ ሓቂ መጀመርያ ባዕሉ < ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትብገስ ሓለዋ አብ ኬላ ደው ኣቢሎምና ነይሮም ፤ መስትያት ኣውሪደ ጌታቸው እየ ኢለ ምስ ነገርክዎም ግን ብሰላም ሓሊፎምና> ክብል ገሊፅዎ ነይሩ እዩ።
ደሓር ግን ምውቕ ምስበሎ ግዲ ሓቲተሞስ ሓሳቡ ቐይሩ ፤ <ክቐትሉኒ ደልዮም ደድሕሪይ ብፓትሮል ስዒቦሙኒ ከምዝነበሩ ብሰብ ሰሚዐ ፤ ኒቲ ኬላ ከፊቱ ዘሕለፈኒ ተጋዳላይ ‘ውን ኣሲሮሞ ፤ ክውገድ ዝግቦኦ ሰብ ኣምሊጡና ኢሎም ዓበይቲ ሰባት ብሕርቃን ብስልኪ ክዛረቡ ተሰሚዖም > ወዘተ ብዝብሉ መስደመሚ ናይ ፈጠራ ሓሶታት ክንስነስ ሰሚዕናዮ ።
ንሕና ተጋሩ ከም ተቓለስቲ ፤ ኣብ ታሪኽና ኣሸምባይ ዶ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ይብዛሕ ይውሓድ ተሳትፎ ዝነበሮ ሰብ ክንቀትል ኣይኮነን ፤ ነቶም ህዝብናን ዓድናን ንኸብርሱ ፊት ንፊት ዝዋግኡና ዝነበሩ ወታሃደራት ፀላኢ እኳ ማሪኽና ፤ እኽልን ማይን ሂብና ፤ ኣምሂርናን ሚዒድናን ናብ ክብርን ማኣርግን ነብቅዕ ተጋደልቲ ምዃና መላእ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ምስክርና እዩ ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፤ ክሳብ ‘ታ ኣሰላልፍኡ ቐይሩ ናብ ብልፅግና ዝኸደላ ማዓልቲ ፤ ኩሎም ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ከም ብፃዮምን መራሒኦምን ዳኣምበር ፤ ከም ፀላኢኦም ሪኦም ፣ ሞት ተመንዮምሉ ኣይፈልጡን ፤ ጥራሕ ዘይኮነስ ፤ ንጌታቸው ክቐትልስ ይትረፍ ፅንፅያ ዓይኑ ዘንፈረሉ ሰብ ክህሉ እውን ኣይደልዩን ነይሮም።
ሕጂ ‘ ውን ዝደለዮ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ሒዙ ናብ መረበቱ ተመሊሱ እንተዝመፅእ ማንም ክነኽኦ ዝኽእል ሰብ ከምዘየለ ከገነረጋግፅ ንደሊ።
እቲ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ሕጅ ‘ውን ኣዕርዩ ንምእማኑ ብዘፀግም ኣገባብ ኣብ መንጎ ሰራዊትናን ህዝብናን ነቓዕ ንምፍጣር ዓሊሙ ፤ ፍፁም ብትካልናን አመራርሓናን ተገምጊሞም ዘይፈልጡ ፤ ብዛዕባ ወርቅን ገንዘብን ካልኦት ናይ ግዕዝይና ተግባራት ነቶም ኣዘዝቲ ፀጥታ ሓይልና ኮነ ኢሉ ብምልጣፍ ኣብ ልዕሊ ትካልናን ኣመራርሓናን ማእለያ ዘየብሉ ሓሶት ይቕፅል ‘ሎ ።
እቲ ሓደ ፅቡቕ ነገሩ ግን እቲ ክሳብ ሕጂ ናዓና መሲሉ ካባ ተጋደልቲ ለቢሱ ፣ ከደናግርና ዝፀነሐ እዩ እቲ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ግዜ ሓሊፉ ‘ምበር ፤ ሕጂ ግን ኣስላልፍኡ ፍሉጥ ፤ ተልእኹኡን ናይ መወዳእታ ዕላምኡን እንታይ ከም ዝኾነ ንህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ግልፂ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ብዙሕ ዘጨንቐና ነገር የለን ።
እቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ዓዘፍዘፍ ኣብ ሽወምቱን ላኣኽቱን ብሉፅ ታኣማንነትን ታኣዛዛይነትን ብምርግጋፅ ፃምእ ሕሽክርናን ህረፍ ስልጣኑን ካብ ምርግጋፅ ወፃእ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘምፀኦ ፋይዳ የለን ኢልና ኢና ንኣምን ። እኳዳኣስ <ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ ይፎክስ> ከምዝባሃል ነዚ ኣፀያፊ ሓሳብን ተግባርን ዝዕዘቦን ዝፅየፎን ትግራዋይ ደኣም ‘በር ዝስዕቦን በዚ ቁሉዕ ናይ ፈጠራ ፕሮፓንዳ ዝታለል ትግራዋይ ከምዘየለ ቍርፁ ክፈልጥ ኣለዎ።
ኣብ ታሪኽ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ሓሰውትን ጠላማትን ሪኢና ኢና ‘ሞ ከም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ግን ተራእዩ ኣይፈልጥን። ከይዱ ከይዱ ግን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣይተ ጌታቸው ድሌት ህዝቢ ትግራይ እንዳተዛረበ ፤ ኣብ ውሽጥና ኾይኑ ድሌቱ ክስርሕ ዝፀነሐ ፤ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ሓምሺሹ ስልጣኑ ዘደላደለ ታሪኹ ዘባላሸወ ሰብ ምዃኑ ነቶም ክዳናገሩ ዝፀንሑ ውሑዳት የዋሃት ተጋሩ እውን ሕጂ ግልፂ ኾይኑ ‘ሎም አሎ ።
መላእ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊትናን ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ግን እቲ ኹነታት ካብ ተራ ሓሶትን ፀለመን ሓሊፉ መንግስቲ ፌዴራል ባዕሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተጠቒሙ ካብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ውፃእ ተደጋጋሚ ትንኮሳታት ብምክያድ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንምፍራስ ብዙሕ ርሐቐት ይኸድ ከምዘሎ አዩ ።
እዙይ ኣካይዳ ‘ዚ ድማ ንኹልና ዘይረብሕን ፤ ጉዕዞ ሰላምና ንድሕሪት ዝመልስ ሓደገኛ ኣካይዳ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል ኣካይድኡ ንኽምርምር ፃዊዕትና ነቕርብ።
ዝኽርን ክብርን ንስዋኣትና![]()
ቢሮ ሰላም ፀጥታት ትግራይ
ግንቦት 08/2017
መቐለ



Leave a Reply