Tag: #ቢሮ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ብነበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝቐረቡ ክስታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መብርሂ።

“ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓረ ይፎክስ” ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ፅንተት ኵናት ብዘላቒ ቶኽሲ ደው ምስበለ (ስሞምዕነት ፕሪቶርያ ) ጠጠው ምስበለ ፤ ድምፂ ጥይት ጠፊኡ ፤ ተነፃፃሪ ሰላም ሰፊኑ ፤ መንግስታዊ ግልጋሎታት ስረሖም ምስጀመሩ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ንሰላም ዝነበሮም ባህጊ ብተግባር ብምግላፅ ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክርባረቡ እዮም ፀኒሖም ። ይኹን ‘ምበር <እቲ ሓደ ብገርሁ እቲ ሓደ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ መልሲ ሂቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምገለፆ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ጥቕምን ዝረጋገፅ ብሰላማዊ ቃልስን ዘተን እምበር ብኲናት ኣይኮነን ዝብል ፅኑዕ እምነትና ናይ ትማሊን ናይ ሎምን ፅባሕን መትከል እዩ” ዝበለ እንትኾን ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ዘጋጦሞ ፅንተታዊ ኲናት እንትጋፈጥ ዘጋጥሞ ኩለመዳያዊ ኪሳራ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ቀረባ እዋን ብዘይ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ከይሓዝካ ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ። ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይ ኩለን ዞባታት ጠለብ መሰረት ዝገበረ ሕትመት መለለዪ መንነት ተዛዚሙ ንዕደላ ከም ዝተዳለወ ዝሓበረ እንትኾን በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፣ ዞባ…
-
ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ዝተውሃበ ሓበሬታ…..

ብዛዕባ ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጥረ ጎንፂ ህዝብና ክፈልጦ ዝግባእ ንፁር ሓበሬታ። ብዕለት 02/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጠረ ውሱን ጎንፂ ገለ ናይ ህዝብና ሰላም ክዝረግን ኣብ ትግራይ ህውከት ክጋደድን ዝደልዩ ኣካላትን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ገልቢጦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ የቕርብዎ ምህላዎም ተዓዚብና ኣለና።ስለዙይ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘሎ ትግራዋይ…

