Tag: #ሰራዊት ኢትዮጵያ
-
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ 6 ወረቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ተገሊፁ ።

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ጋባ ዝተበገሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ በረኻታት ዋልድባ ኣትዩ ኣብቲ ቦታ ኣብ ስራሕቲ ምእራይ ወርቂ ዝተዋፈሩ 6 ወርቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ፍልፍላትና ሓቢሮም ፡፡ መንግስቲ ብልፅግና ዘዋፈሮም ኣኽበርቲ ሰላም ዝብል ጉልባብ ዝተኸደኑ ዕጡቃት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወረዳታት ፀልምቲ ከበድቲ ግፍዕታት ምፍፃም ቀፂሎሙሉ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብቲ ናይ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ መልሲ ሂቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምገለፆ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ጥቕምን ዝረጋገፅ ብሰላማዊ ቃልስን ዘተን እምበር ብኲናት ኣይኮነን ዝብል ፅኑዕ እምነትና ናይ ትማሊን ናይ ሎምን ፅባሕን መትከል እዩ” ዝበለ እንትኾን ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ዘጋጦሞ ፅንተታዊ ኲናት እንትጋፈጥ ዘጋጥሞ ኩለመዳያዊ ኪሳራ…

