ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ መልሲ ሂቡ።


ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምገለፆ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ጥቕምን ዝረጋገፅ ብሰላማዊ ቃልስን ዘተን እምበር ብኲናት ኣይኮነን ዝብል ፅኑዕ እምነትና ናይ ትማሊን ናይ ሎምን ፅባሕን መትከል እዩ” ዝበለ እንትኾን ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ዘጋጦሞ ፅንተታዊ ኲናት እንትጋፈጥ ዘጋጥሞ ኩለመዳያዊ ኪሳራ ምግማት ኣብይዎ ዘይኮነስ ከም ህዝቢ ንምቕፃል ክብል ተገዲዱ ዝኣተዎ እንኮ መማረፂ ስለዝነበረ እዩ ክብል ዘዘኸኻረ እንትኾን ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይ ድማ ነዚ ከቢድን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ሓጋዚ ከይሓተተ ነቲ ካብ ምድሪ ከጠፍእ ዝተወጠነሉ ዕላማ ኣፍሺሉ ታሪኽ ዝሰርሐ ሙዃኑ ብምግላፅ ሰራዊት ትግራይ ናይ እዚ ኸይዲ ውፅኢት እዩ ክብል ኣመላኺቱ።

ብተወሳኺ ቢሮ ሰላምን ፅጥታን ኣብ መግለፂኡ ከምዝሓበሮ ሰላም ምድላይ ዋላ እኳ ኣድላዪ እንተኾነ ግን ድማ ናይ ኣምበሳ ብፅሒትን ሓላፍነትን ዘለዎ ፌደራል መንግስቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከይተሸራረፈ ኣብ ሓፂር ግዜ ተግባራዊ ንክኾን ናይ ባዕሉ ተራ ክፃወት ትፅቢት ከምዝግበረሉ ብምጥቃስ እዚ እንድሕር ተፈፂሙ ሰራዊትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ንነዊሕ እዋንስ ይትረፍ ንደቂቕ  እውን ብረት ተሓንጊጦም ክንከራተቱ ዝደልይሉ  ምኽንያት ከምዘየለ ዘፍለጠ እንትኾን ኮይኑ ግን “ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከም ዓብዪ ተጋድሎ ብሰበር ዜና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፣ መራሕቲ ትግራይን ትካላቱን ዘመን ብዘምፅኦም መራኸቢ ማዕኸናት ፅልኢትን ፕሮፖጋንዳን እንትስበኽ ካብ ህልቂት ሩዋንዳ ቀፂሉ ክኾን ይኽእል” ብምባል ናይዚ መቐፀልታ ብዝኾነ ተግባር ድማ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንሰራዊት ትግራይን ኣመራርሕኡን ኣብ መሬት ብዘይለ ናይ ፈጠራ ክስታት ክውንጀሉ ይርኢ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለፂ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፁ ዝዘርገሖ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ዘነፃፀረ ወንጀላን ስም ምጥፋእን ድማ ሓደ እዩ ክብል ዝጠቐሰ እንትኮን፥ ኣብቲ ክሲ ካብ ዝተጠቐሱ ነጥብታት ሓደ “ምግበይ ምዕራብ ትግራይ ከምልስ ብዝብል ክልተ ግዜ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከጥቅዕ ፈቲኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ዘብለዐ፣ እቲ ኲናት ሰለዘይካኣሎ ተወቒዑ ተመሊሱ ናይ ባዕሉ ዕጡቓት እውን ረሺኑ ወዘተ”  ዝብሉ  ብምልዓል ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ዘቕመጦ መልሲ “ንዘጋጠመ ናይ ባዕልኻ ሽግር ኣብ ክንድ ተግባራዊ መፍትሒ ንምምፃእ ምፍታን ካልእ ዘይምልከቶ ኣካል ምፍጣርን ኣፅባዕቲ ምጥቋምን ሳላምን ዕቤትን ንከይሰፍን ዝገብርን ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ኮይኑ ከምዝረኸቦ ገሊፁ።

ቢሮ ሳላምን ፀጥታን ነዚ ውንጀላ ብስለት ዝጎደሎ ክብል ዝገለፆ እንትኾን ናይ ህዝቢ ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነት ንምርግጋፅ ዝግበር ቃልሲ ኣቃሊልካን ኣነኣኢስካን ምቕራብ ግን ካብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናብ መሬት ወሪዱ ተግባራዊ ክኸውን ዓብዪ ብፅሒት ዘለዎ ትካል ትፅቢት ዘይግበርን ሓላፍነት ዝጎደሎን ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ክእረም ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣብ መግለፂኡ ወሲኹ “ጀነራል ምግበይን ብፆቱን ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብፅኑዕ ዲሲፕሊን ተገዚኦም ሰርሖም ዝፍፅሙ እምበር ካብዚ ተፃራሪ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከምዘየለውን ከምዘይነበሩን ክፍለጥ ይግባእ” ዝበለ እንትኾን ሰላምን ንምስፋን ካብዘድልዩ ነገራት ሓደ ድማ ኣብ ሓቃውነት ዝተመስረተ መረዳእታ እምበር ብኽፍኣትን ተንኮልን ብዝተሸፈነ ሰም ምጥፋእ ክኾን ከምዘይኽእል ብምግላፅ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወኪሉ ሓበሬታ ብዝፍኑ መርበብ ሓበሬታ ከምዚ ዓይነት ዘይረብሕ ኣሉባልታ ምዝርጋሕ ሰራዊት ትግራይ ንሰላም ክብል ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ሽታ ማይ ዝገብርን ናብ ቁስሉ ዕንፀይቲ ዝሰድድ ዓይነት መግለፂ ምውፅኡ ካብ ልቢ ዘሕዝን እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እቲ ዝወፅአ መግለፂ ናይ ኣፍ ወለምታ ከኾን ስለዝኽእል መሊሰካ ክረአን ይቅርታ ክሕተተሉን ከምኡ እውን ሰለም ዘፅንዑን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከይተሸራረፈ ኣብ ሓፂር እዋን ተግባራዊ ክገብሩ ዝኽእሉ ሓቀኛ ተግባራት ክግበሩ ብምትሕስሳብ ፥ብወገኑ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንክፍፀም ቁርፀኛ ከም ዝኾነ ገሊፁ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading