ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ቀረባ እዋን ብዘይ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ከይሓዝካ ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይ ኩለን ዞባታት ጠለብ መሰረት ዝገበረ ሕትመት መለለዪ መንነት ተዛዚሙ ንዕደላ ከም ዝተዳለወ ዝሓበረ እንትኾን በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፣ ዞባ ማእኸል፣ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ከይዲ ዕደላ መለለዪ መንነት እናተሳለጠ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ከምዝገለፆ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ወፃኢ ካሊእ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መለለዪ መንነት ሒዝካ ምንቅስቓስ ከምዘይፍቀድ ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ክልል ትግራይ ግቡኣቱ ብምምላእ በብኸባቢኡ ኣብ ዘለዉ ኣብያተ ፅሕፈት ምክትል ኣመሓደርቲ ጣብያታት/ቀበሌታት ብምኻድ መለለዪ መንነቱ ክወስድ ኣተሓሳሲቡ!!

               ቢሮ ሰላምን ፀጥታን

               09/07/2017 ዓ/ም

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading