ብዛዕባ ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጥረ ጎንፂ ህዝብና ክፈልጦ ዝግባእ ንፁር ሓበሬታ።
ብዕለት 02/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጠረ ውሱን ጎንፂ ገለ ናይ ህዝብና ሰላም ክዝረግን ኣብ ትግራይ ህውከት ክጋደድን ዝደልዩ ኣካላትን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ገልቢጦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ የቕርብዎ ምህላዎም ተዓዚብና ኣለና።ስለዙይ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘሎ ትግራዋይ ዘየድሊ ሻቕሎት ከይሓድሮ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ንፁር ሓበሬታ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ ።
ኣብቲ ዕለት ኣመሓደርቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ንመናእሰይ መሬት ክንዕድለኩም ኢና ኢሎም ናብ ቀፅሪ እቲ ምምሕዳር ፀዊዖም እንተዘራርቡዎም ብኽብሪ ካብ ምግዳል ዝተመለሱ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ድማ ናብቲ መድረኽ ብምምፃእ ንሕና ኣካልና ኣጉዲልና ግቡእና ፈፂምና ዝመፃእና ተጋደልቲ ዘየካተተ ዕደላ መሬት ንምንታይ ይካየድ? ፍፁም ፍትሓዊ ኣይኮነን። ስለዙይ ጠጠው ይበል ዝብል ሕቶ ብምልዓሎም ምኽንያት ኣብ ሞንጎ እቶም ተሳተፍትን እቲ ምምሕዳርን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ናብ ኣካላዊ ጎንፂ ኣምሪሑ። ነዚ ሓበሬታ ዝበፅሖም ኣካላት ፀጥታ ዝኾኑ ኣባላት ምልሻ ነቲ ዝተፈጥረ ከቢድ ጎንፂ ኣብ ማእኸል ኣትዮም ኣብ ምርግጋዕ እንዳሃለዉ ነዚ ዝተፈጠረ ዕግርግርን ህውከትን ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብሕቡእ ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ብምሓዝ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ባጃጅ ብምዃን ናብቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ጥይት ብምትኳሶም ምኽንያት ኣብ ዝነበረ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ኣርባዕተ/ 04/ ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ቀሊል ኣካላዊ መጉዳእቲ በፂሕዎም ኣሎ፡፡ እቶም 03 ኣብ ዓዲ ጉደም ዝተሓከሙ እንትኾን እቲ ሓደ ድማ ናብ መቐለ ሪፈር ተባሂሉ ኣብ ሕክምና ይርከብ።
እቲ ዝተፈጠረ ጎንፂ ልዕሊ ዓቕሚ እቶም ኣባላት ህዝባዊ ምልሻ ምስ ኮነ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ናይ ሰራዊት ሓገዝ ብምሕታት እቲ ጎንፂ ክሃድእ ገይሩ እዩ።
ነቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ምኽንያት ዝኾኑ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ሓይሊ ፀጥታና ክትትል ዝገብር ዘሎ ምዃኑ እናፍለጥና ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ክረክብ ዝደሊ ኣካል እንተሃልዩ ናብቲ ባይታ ወሪዱ ክፈልጥ ክፍቲ ምዃኑን ኣድላዪ ደገፍ ክንህቦ ቅሩባት ምዃንናን ነፍልጥ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታ ትግራይ
መጋቢት 04/2017 ዓ/ም



Leave a Reply