Tag: #ኣዋናዊ ዛዕባታት
-
ውሳነታት ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይን ፣ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ናብ ተግባር ይሰጋገር ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዞባን ወረዳታትን ትግራይ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ አብ ወረዳታት ጉለምኸዳ ፣ክልተ ኣውላዕሎ፣ፅራእ ወንበርታ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ሓውዜን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ዞባ ዝርከቡ ተመዛበልትን ነበርትን ኣብቲ ሰልፊ እናተሳተፉ ይርከቡ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ዞባ ማእኸል ፣ ዓድዋ ፣ እንትጮ፣ኣክሱምን ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ዓብዪ ዓዲ ፣ጣንቋ ምላሽን ኣብቲ ኸባቢ ተዓቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዝተሳተፉሉ…
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ሰራዊት ትግራይ ዘብዒን ዋሕስን ህዝቢ ትግራይ እዩ!!! ህዝቢ ትግራይ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወፃእ ወረርቲ ሓይልታት ተላፊኑ ኣብ ልዕሊኡ ንዝኸፈቶ ናይ ፅንተት ወራር ብኽቡር መስዋእትነቱ መኪቱ ፣ ነቶም ደመኛታት ፀላእቱ ኣገዲዱ ናብ ሰደቃ ሰላም ንኽመፁ ብምግባር ግሁድ ዝገበሮ ውዕል ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንኽኸውን ንዝሓልፉ ክልተ ዓመታት ብትዕግስቲን ፀዋራይነትን እኳ እንተተፀበየ፣ ብሰንኪ ሽርሒን ምስሉይነትን ፌደራል መንግስቲ…

