Tag: #ትግራይ
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ሰራዊት ትግራይ ዘብዒን ዋሕስን ህዝቢ ትግራይ እዩ!!! ህዝቢ ትግራይ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወፃእ ወረርቲ ሓይልታት ተላፊኑ ኣብ ልዕሊኡ ንዝኸፈቶ ናይ ፅንተት ወራር ብኽቡር መስዋእትነቱ መኪቱ ፣ ነቶም ደመኛታት ፀላእቱ ኣገዲዱ ናብ ሰደቃ ሰላም ንኽመፁ ብምግባር ግሁድ ዝገበሮ ውዕል ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንኽኸውን ንዝሓልፉ ክልተ ዓመታት ብትዕግስቲን ፀዋራይነትን እኳ እንተተፀበየ፣ ብሰንኪ ሽርሒን ምስሉይነትን ፌደራል መንግስቲ…
-
ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤትምህርቲ ማይ ተባይ ብሓገዝ ግዱስ ብዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘውዱነህ ግርማይ ዝተሰርሑ መምሃሪ ክፍልታት ፀገም እታ ቤትምህርቲ ከም ዘቃለለ ተገሊፁ።

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ዓርቢ እትርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ተባይ ዝነበረ ሕፅረት መምሃሪ ክፍሊ ንምቅላል ብ10 ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባርሓደ ብዓል ሰለስተ ክፍሊ ብሎክን ሓደ መዕረፊ መምሃራንን ሓደ ሽንትቤትን ብግዱስ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘውዱነህ ግርማይ ካሕሳይ ብዝተገበረ ሙሉእ ሓገዝ ተሰሪሑ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ዝነበሩ ማተሪያላት ብሙሉእ ብምዕናዎምን…

