ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ዓርቢ እትርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ተባይ ዝነበረ ሕፅረት መምሃሪ ክፍሊ ንምቅላል ብ10 ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባርሓደ ብዓል ሰለስተ ክፍሊ ብሎክን ሓደ መዕረፊ መምሃራንን ሓደ ሽንትቤትን ብግዱስ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘውዱነህ ግርማይ ካሕሳይ ብዝተገበረ ሙሉእ ሓገዝ ተሰሪሑ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ዝነበሩ ማተሪያላት ብሙሉእ ብምዕናዎምን ሕፅረት መምሃሪ ክፍልታት ብምንባሩን ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝነበሩ ርእሰ መምህር እታ ቤትምህርቲ ዝኾኑ መ/ር ተኽላይ ሃይሉ ገሊፆም። መ/ር ተኽላይ እቶም ግዱስ በዓል ሃፍቲ ካብ ህንፀት መምሃሪ ክፍሊታት ብተወሳኺ ንመምሃራንን ነቲ ቤትምህርትን ዝኸውን ኣስታት 46,000 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገበሩን ሐዚ እውን ብቐፃልነት ድጋፍ እናገበሩ ምህላዎም ብምግላፅ እቲ ቤትምህርቲ ሐዚ እውን ቤተ-ንባብ የብሉን ናይ ተምሃራይ መፅሓፍ ሒሳብን ከባብያዊ ሳይነስን ብጠቕላላ ከምዘይብሎምን ፣ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ድማ ሕፀረት ከምዘለዎምን ኣብ ቡዝሓት መሰራታዊ ፀገማት ከምዝርከብ ብምሕባር መንግስትን ግዱሳን ወገናትን ተወሳኺ ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዖም።

ብተወሳኺ ኣብ ቤትፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ሓላፊ ከይዲ ሰራሕ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ መምህር ሃይለማርያም ገብረእግዚአብሔር ከምዝገለፅዎ ድማ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ካብ ዘለዋ 34 ቀዳማይ ብርክን 4 ካልኣይ ብርክን ቤትምህርትታት ካብ ዕንወት ዝተረፋ 5 ጥራሕ ከምዝኾና ብምግላፅ ካብዘን ዕንወት ዝበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ ጉዱሳን ወገናትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብዝገበርዎ ድጋፍ ሕድሳት እናተገበረለን ዝርከብ ካብ ሓሙሽተ ዘይበዝሓ ምኻነንን እተን ዝተረፋ ግን ምስ መሰረታዊ ፀገማተን ኣገልግሎት እናሃባ ከምዝርከባ ሓቢሮም።

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት 18,025 ተምሃሮ ተመዝጊቦም ዝነበሩ እንትኾኑ ሐዚ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝርከቡ 17,420 እዮም እቶም ዝተረፍ 605 ተምሃሮ ድማ ዘቋረፁ ምኻኖም ብምግለፅ ነዚ ቀንዲ ምኽንያታት ዘይሕጋዊ ሰደት ፣ምቕናስ ድሌት ትምህርትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ከምዝኾኑ መ/ር ሃይለማርያም ወሲኾም ገሊፆም።
መ/ር ሃይለማሪያም ብወረዳ ደረጃ ዘሎ ኩነታት ሽፋን ናይ ተምሃራይ መፅሓፍትን ካልኦት ናውትታትን እንትገልፁ ድማ ንካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትታት ሓዊሱ መብዛሕትአን ቤተ-ንባብ የብለንን እተን ዝነበረን ድማ ነቲ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ሙሉእ ብሙሉእ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ሻዕብያን ከምዝዓነወን ናይ ተምሃራይ መፅሐፍ ድማ ብፍላይ ሒሳብን ከባብያዊ ሳይነስን ንመምሃራን ዝኸውን እውን ዝሰኣኑሉ ኩነታት ምንባሩ ብምግላፅ ዝለዓለ ሕፅረት ከምዘሎ ኣረዲኦም።




Leave a Reply