ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት ኣብ ኣስመራ ዑደት ከምዝገበሩ ተገሊፁ።
ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾኑ ሙሳ ፋኪ መሃመት ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚዳንት ኢሳያስ አፍወርቂ ከም ዝተዛተየ ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ። ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ገፁ ከምዝሓበሮ ፕሬዘዳንት ኢሳያስ ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ኣብ ጉዳያት ፈተናታትን ቀፃሊ ዕላማታትን እቲ ኣህጉር መሰረት ብምግባር ብዕምቆት ከም ዝዝተዩ ገሊፁ።
ሙሳ ፋኪ ኣብዝነበሮም ፃንሒት ዕቤት ኣፍሪካ በሰንኪ ኣብ ዝተወሰኑ ቀጠናታት ዘሎ ናይ ፀጥታ ፀገም ከምዝተዓናቐፈን እቲ ፀገም ድማ በምኽንያት ኢድ ኣታውነት ናይ ደገ ሓይልታት ከምዝተጋደደን ምግላፆም ኣይተ የማነ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ትፅቢት ዝግበረለን ዓመታዊ መዋጮ ክኸፍላ ብዘይምኽኣለን ሕብረት ኣፍሪካ ብናይ ባዕሉ ሃፍቲ ከይተኣማመን ከምዝገበረ እውን ሙሳ ፋኪ ኣረዲኦም ክብል ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ፕረዚዳንት ኢሳያስ ብወገኑ ጉዳይ አፍሪካ ብኣፍሪካውያን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝድግፉ ብምግላፅ ዘላቒ ልምዓት ብዘይ ሰላምን ምርግጋዕን ክረጋገፅ ከምዘይኽእል ከምዝኣምኑ ገሊፆም ክብል ሚኒስትር ሓበሬታ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
ይኹን እምበር ኤርትራ ክሳብ ሐዚ መረፃ ይኹን ሕገ መንግስቲ ዘይትፈልጥ፤ ምስ ኩለን ጎረባብታ ብቀጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ዝተጋጨወት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ከይሰፍን ንኣልሸባብ ከይተረፈ ብምድጋፍ ፀረ ሰላም ምንቅስቃስ ብምግባር እትፍለጥ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ብምስታፍ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ዝፈፀመትን ትግራዋይ ብምፅላእ ዝረጋገፅ ሃገረ መንግስቲ ብምህናፅ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ስላም ከይፍጠር ብምግባር ሐዚ እውን ልዕሊ ሓምሳ ጣብያታት ትግራይ ብሓይሊ ወሪራ መስካሕክሒ ግፍዕታት እናፈፀመት ትርከብ።
ከም ኣፍሪካ ሕብረት እውን እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ጥምረት ፈጢሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅንተታዊ ኲናት እንተካይድ “ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ እዩ” ብምባል ካብ ተልእኹኡን ዓላምኡን ወፃኢ ብዝኾነ ኣገባብ ወንጀላት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ንምሽፋን ቀሊል ዘይብሃል ፃዕሪ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።



Leave a Reply