Tag: #እዋናዊ_ዛዕባታት
-
“ማሕበረሰብ ዓለም ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ምፍራስ ንምድሓን ክረባረበሉ ዝግባእ እዋን ሕዚ እዩ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ጀኖሳይድ ኣዊጁ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፅናት ይርከብ፡፡ ዋላ እኳ ነቲ ዝጀመሮ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ጠጠው ንምባል ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ እንተተፈረመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሕዚ እውን ዝጀመሮ ፕሮጀክት ምጥፋእ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ፡፡ ኣርብዓ ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ብዝወደቦምን ዘዕጠቖምን ሓይልታት ወሪሩ ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን…
-
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ 6 ወረቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ተገሊፁ ።

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ጋባ ዝተበገሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ በረኻታት ዋልድባ ኣትዩ ኣብቲ ቦታ ኣብ ስራሕቲ ምእራይ ወርቂ ዝተዋፈሩ 6 ወርቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ፍልፍላትና ሓቢሮም ፡፡ መንግስቲ ብልፅግና ዘዋፈሮም ኣኽበርቲ ሰላም ዝብል ጉልባብ ዝተኸደኑ ዕጡቃት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወረዳታት ፀልምቲ ከበድቲ ግፍዕታት ምፍፃም ቀፂሎሙሉ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብቲ ናይ…
-
“ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ” ጀነራል ታደሰ ወረደ

“ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ” ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኣኽሱማውያን ወነንቲ ዓበይቲ ስልጣነ ዓለም ምንባሮም ብምዝኽኻር ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣቲናዮ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእን ታሪኽ ወለድና ንምድጋምን ብፍላይ እዚ ወለዶ ክሰርሐሉ…
-
“ዘይሓወየን ኣብ ስቓይን ዘሎ ህዝብና ዳግም ናብ ዘይደልዮ ኣዕናዋይ ኩናት ከይኣቱን ደበና ናይ ኩናት ክነትርፍን ዝለዓለ ፃዕሪ ክንገብርን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕን ኢና።” ፕረዚደንት ለ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ

“ዘይሓወየን ኣብ ስቓይን ዘሎ ህዝብና ዳግም ናብ ዘይደልዮ ኣዕናዋይ ኩናት ከይኣቱን ደበና ናይ ኩናት ክነትርፍን ዝለዓለ ፃዕሪ ክንገብርን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕን ኢና።” ፕረዚደንት ለ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ እዙይ ዝተገለፀ፣ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ናይ ሕሉፍ ርብዒ ዓመት ኣፈፃፅማ፣ናይ ቀፃሊ ኣንፈታትን መደባትን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምግምጋምን ንምዝታይን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ክልል መድረኽ ተረኺቦም…
-
ፕረዚደንት ኢስማኤል ኡመር ጊሌህ ንመበል 6ይ ግዜ ሕፁይ ፕረዚዳንት ኮይኖም ተመሪፆም።

ገዛኢ ውድብ ሃገረ ጁቡቲ Peoples Rally for Progress (RPP) ንኢስማኤል ኡመር ጌሌህ ሕፁይ ፕረዚዳንት ገይሩ ከምዝመረፀ ኣፍሊጡ። ገዛኢ ውድብ ሃገረ ጁቡቲ ዝኾነ Peoples Rally for Progress (RPP) ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 29 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሚያዝያ ንዝካየድ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፕረዚደንት ጁቡቲ ኮይኑ እናመርሐ ዘሎ ኢስማኤል ኡመር ጊሌህ…
-
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ…

ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ንሰላማዊን ፖለቲካዊን መስርሕ ዝህውኹ ምዕባለታት፣ ንውዕል ፕሪቶርያ ዝጎድኡ ምንቅስቃሳት ንዕዘብ ኣለና። ትግራይ ንምህዋኽን ነኒባዕልና ንምድማይን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ዓፋር ዕጡቃት ክውደቡን ክዕጠቑን ጥጡሕ ባይታ ብምፍጣር ፣ ብምድጋፍን ተልእኾ ብምሃብን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተደጋጋሚ ፃሕታሪ ምንቅስቃስ ክግበር ፀኒሑን ኣሎን። እዚ ብስም “ሓራ መሬት” ኣብ ዓፋር ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተደጋጋሚ፣…

