“ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ”
ጀነራል ታደሰ ወረደ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኣኽሱማውያን ወነንቲ ዓበይቲ ስልጣነ ዓለም ምንባሮም ብምዝኽኻር ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣቲናዮ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእን ታሪኽ ወለድና ንምድጋምን ብፍላይ እዚ ወለዶ ክሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም።
ሰላማዊ መፍትሒ ከምፅእ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ሳልሳይ ዓመቱ ኣቑፂሩ ኣሎ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ብዘይምኽኣሉ ተነፃፃሪ ሰላም ካብ ምምፃእ ሓሊፉ ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገማት ክፈትሕ ኣይከኣለን ኢሎም።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ከም ዝገለፅዎ ብመሰረት ስምምዕነት ኣብ ክንዲ መፍትሒታት ምንዳይ ቁጠባዊ ፅዕንቶ ብምፍጣር ከም መፈራርሒ ንምጥቃም ዝኽየደሉ መንገዲ ኣሎ። ናይዚ መርኣያ እውን ናይ ክልተ ወርሒ ወርሓዊ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዛጊድ ዘይምምፅኡ ጠቒሶም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰላማውን ፖለቲካውን ልዝብ ዘይፍትሑ ፀገማት የለን ዝብል ፅኑዕ መትከል ከምዘለዎ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፤ ሐዚ እውን ንሰላማውን ፖለቲካውን ፍታሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ፀዊዖም።
ኩነታት ልኣላዊ ወሰናት ትግራይን ተመዛበልትን እውን እንተኾነ ብሰላማውን ፖለቲካውን ፍታሕ ክረክብ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ዘይተገማቲ ኩነታት ኮይኑ ናይ ሰላም ኣማራፂ ንምስፋሕን ኲናት ንምትራፍን ፃዕሪ ኣብ ዝገብረሉ ግዘ ካብ ኣብዓላ ይኹን ቶንሳ፣ መጋለ ይኹን ያሎ፣ በራሕለ ይኹን ኮነባ፣ ሰመራ ይኹን ኣዲስ ኣበባ፣ ዋግ ይኹን ፀለምት ካብ ዝተበገሰ ይበገስ፣ ብዝተፈፀመ ይፈፀም፣ ድምፂ ዝህብ ይኹን ዘይህብ፣ ቅሉዕ ይኹን ሽፉን ጥቕዓትን ፈተነ ጥቕዓትን ፀረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ንሰላም ዝረብሖ ነገር ከም ዘየለን ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገማት ደጋዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም ንትግራይ የዳኽማን ተቓላዕነትና የዕብዮ ከም ዘሎን ጀነራል ታደሰ ሓቢሮም። ውሽጣዊ ፀገማትና ኣብ ምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ፍትሕን ዳይነትን ትኹረት ሂቡ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምርግጋፅ ብዕትብ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተወዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ ስለዘሎ እዚ ሓይሊ ህውከትን ስርዓት ኣልቦነትን ሱር ክሰድድ ይሰርሕ ብምህላው ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብቑርፀኝነት ከሰርሕ እዩ ክብሉ ገሊፆም ከም ፀብፃብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚዳንት ።
ቤ



Leave a Reply