“ማሕበረሰብ ዓለም ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ምፍራስ ንምድሓን ክረባረበሉ ዝግባእ እዋን ሕዚ እዩ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ጀኖሳይድ ኣዊጁ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፅናት ይርከብ፡፡ ዋላ እኳ ነቲ ዝጀመሮ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ጠጠው ንምባል ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ እንተተፈረመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሕዚ እውን ዝጀመሮ ፕሮጀክት ምጥፋእ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ፡፡ ኣርብዓ ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ብዝወደቦምን ዘዕጠቖምን ሓይልታት ወሪሩ ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ብሕማምን ጥሜንትን ኣብ ርእሲ ዝሃልቅሉ ዘለዉ እዋን እውን እንተኾነ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብግልፂ ብምጥሓስ፤ ናብ ዳግም ዕፅዋን ክባን ብምሰግጋርን ኣብቲ ኣንፃራዊ ሰላም ዝነበሮ ከባብታት ድማ ምስ ዝዓሰቦም ከዳዓትን ከሓድትን ብምውዳድ ናብ ቅሉዕ ምንቅስቓስ ራዕዲ ተሰጋጊሩ ኣሎ፡፡ እዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኩሎም በደላት ብምፅዋር ብትዕግስቲ ንሰላም ኣብ ዝምሕፀንሉ ዘለዉ ዝፍፅሞም ዘሎ ብምዃኖም ድማ እቲ ስርዓት ክንደየናይ ፀረ ሰላምን ፀረ ህዝቢ ትግራይን ምዃኑ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ህያው ምስክር እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ድምፂ ቶኽሲ ከይስማዕ ዝድንግግ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ኣብ ዓፋር ብዝወደቦም ሸፋቱን ድሮንን ኣቢሉ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ይዝከር፡፡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ነቲ ቅሉዕ ጥሕሰት ብምኹናን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ምፍራስ ዝርከብ ስምምዕ ንምድሓን ክረባረብ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡ እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሎም ምሕፅንታት ፀማም እዝኒ ብምሃብ ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ንምኽንባት የኽእሉኒ እዮም ዝበሎም ኩሎም መልክዓት ወፍሪ የካይድ ኣሎ። ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብእዋኑ ጠጠው ከብሎ ብዘይምኽኣሉ ድማ ሓደጋ ምፍራስ እቲ ስምምዕ እናበኣሰ ናብ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ናይ ምእታው ሓደጋ እናዓበየ ይኸድ ኣሎ ፡፡

እዚ ኣንፃር ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝወፈረ ስርዓት ኣብዚ ሰሙን ውሑዳት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ንዘልዐልዎ ሕቶ ዘይምስሉ ንምትሓዝን ኣብ መንጎ ስትራቴጂካዊ ዓቕምታት ትግራይ ኣፈላላይ ንምፍጣርን ብዝዓሰቦም ሰራዊት ማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሉ ከጎሃህር ፈቲኑ እዩ። ነዚ ብሰራዊት ማሕበራዊ ሚድይኡ ዝነዝሖ ዝነበረ በለካ ለኽዐካ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ንምብፃሕ ድማ ምስቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዓፋርን ዝወደቦም ኣባላት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ናይ ራዕዲ ተግባራት ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ እንተኾነ ግን እቶም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኮነ ስትራቴጂካዊ ዓቕምታት ትግራይ ብውሕሉል መንገዲ ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ ነቲ ፀላኢ ክብለፀሉ ዝጓየየሉ ዝነበረ ትልሚ ክፍሽል ጌሮም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን ዝተለምዎ ናይ ራዕዲ ተግባር ግን ቀፂሎምሉ ኣለዉ፡፡

እዚ ተግባር እቲ ኣቐዲሞም ብናዕብን ህውከትን ከዕውትዎ ዘዳለውዎ ትልሚ ብቓልሲ ደላይ ሰላም ህዝብና ምስ ፈሸሎም ዝፍፅምዎ ዘለዉ ናይ ቀቢፀ ተስፋ ተግባር እዩ፡፡ ተቓሳይ ህዝብና ነዚ ሓዱሽ ናይ ራዕዲ ተግባራት እውን ከም ቀደሙ ከምዘፍሽሎ ዘጠራጥር የብሉን፡፡ እንተኾነ ግን እዚ ተግባር ነቲ ኣብ ትግራይ ኮነ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባናን ክመፅእ ዝድለ ዘላቒ ሰላም ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ብምዃኑ መንግስቲ ኢትየጵያ ካብዚ ተግባር ብህፁፅ ክቑጠብ ይግባእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሰራሕተኛ መንግሰቲ ትግራይ ውዙፍ መሃይኡ ኣብ ርእሲ ዘይምኽፋሉ ዝተመደበ በጀት ትግራይ ብምቑራፅ ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍጣር ክሰርሕ ፀኒሑን ኣሎን፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ እተን ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ክዓንዋን ክውረራን ዝገበረን ህዝባውን ውልቃውን ትካላት ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝርካቡ ሃፍቲ ተፀጊነን ዝጀመርኦ ምንቅስቓስ ንምድኻም ዝተፈላለየ ፅዕንቶታት ክገብር ፀንሑን ኣሎን፡፡ ሕዚ ድማ ንትካላት ትእምትን ካልኦት ትካላት ፋይናንስ ትግራይን ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰረት ብዘይብሉ ኣገባብ ባንኪ ሒሳበን ክእገድ ተጌሩ ኣሎ፡፡ እዚ እገዳ ኣካል እቲ ኮነ ተባሂሉ ዝዓነወ ቁጠባ ትግራይ ብዝባኣሰ ንምህሳይን ዳግም ከየንሳዕርር ብምግባርን ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝግበር ዘሎ እዩ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ክግንዘቦ ዝግባእ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ እዋን ናብ እዋን ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ከምዘሎ እዩ፡፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣደራደርቲ ሃገራትን ፓነል ሕብረት ኣፍሪካን ፅዕንቶ ብዘይምፍጣሮም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕ ንኽጥሕስ ምችው ኩነታት ፈጢርሉ ኣሎ፡፡ ድሌት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሉእላዊ መሬት ትግራይ ተመሊሱ፣ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝነብር ህዝብና ሓራ ብምውፃእ ኣብ ስደትን ውሽጢ ዓድን ኣብ ማእኸላት መዕቆቢ ዝርከብ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ተሓታትነት ፈፀምቲ ጀኖሳይድ ክረጋገፅ፣ ህዝብና ክከሓስን ዳግመ ህንፀት ክጅመርን ኢሉ እውን እቲ ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቂ ስምምዕ ሰላም ክሰጋገር ምግባር እዩ፡፡ ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ስምምዕ ንምፍራስ ኣብ ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዘበለ ፅዕንቶ ብምግባር እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ ንብል፡፡

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading